ኣብ መርዓይ እንተዘይውዒልካ፡ ኣብ ቀብረይ ኣይትምጻእ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ንዘበናት ዝጸንሐ፡ “እምቢ ንመግዛእቲ እወ ንፍትሒ” ዝብል ኒሕን መንፈስን ቃልሲ ንመሰልን ምክልኻል መሬት ዓደቦን ተራእዩ ኢዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ፡ ብድፍረትን ብስሕለትን ምእንቲ ፍትሒ ተወፍዮም ኢዮም። እቲ ኣብ መዋእል መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ንጸላኢ ከይተረፈ ዘስደመመ ጅግንነት፡ ተወፋይነትን ጽንዓትን ኤርትራውያን ከኣ ሓደ መርኣያ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ጽሩይ እኽሊ ክርዳድ ዝርከብ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ንመሰሉን ንሃገሩን ዝቃለስ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሓደ ክልተ ምስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም፡ ጉዕዞ ናጽነት ዘዕንቅፉ፡ ህዝቦም ዘንብዑን ትፍኦም ዝልሕሱን ኤርትራውያን ሓርኢ እኽሊ ግን ነይሮም ኢዮም። ብኣኣንጻሩ፡ ነቲ ካብ ተንኮላት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ መሰልና ዝግህስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምእንቲ ፍትሒ ግንባሮም ንዓረር ዝሃቡን ኣብ ከብዲ ዓማጺ ኮይኖም ተቃውሞ ዘስምዑን ሓቂ ዝገለጹን ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣይተሳእኑን። ዋላኳ...