ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ከቲማቶ ዘላ ስምምዕ ተጋባራዊ ከምዝኸዉን ብሰብ መዚ እታ ሃገር ዝወሃብ መግለጺታት ገና...
International News
መንግስቲ ሶማል ንምክትል ቘንስል ኢትዮጵያ ኣብ ሞቓዲሾ ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ጠቕሊሉ ክወጽእ ኣዚዙ ። ሚኒስትሪ ወጻእኢ...
ኲናት ሩስያን ይክሬንን ናብ ዝብኣሰ ዓለማዊ ግጭት ከምርሕ ዘኽእልዎ ምልክታት ይዛይድዎ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ...
ኢራን ነቲ ኣብ ምዝዛም እዚ ሰሙን ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕላማታት ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ “ኣብ ኢዳ...
ተሳተፍቲ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ሊባኖስ ዝኾና ሃገራት፡ 1ቢሊዮን ዶላር ሰብኣውን ወታሃደራውን ደገፋት ክገብሩ ቃል ምእታዎም ተገሊጹ። ንሊባኖስ ዝተኣትወ...
“ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን መራሕቲ ውድብ ሕዋሓትን፡ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍልላይ ናብ ሓይልታት ጸጥታ ንምልሓሙ...
ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ዳዕመል ሰሪዕ (RSF)፡ ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ኣቡጋል ካይካል ምስ እሙናት ወተሃደራቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት...
ሩስያ ኣብ እተአንግዶ ዘላ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ብሪክስ ኣብ ምስታፍ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ...
ስልጣን፡ ንለባም ይኸብዶ ንዓሻ የዕብዶ ሓደ ክልተ ገርሀኛታትን ምሁራት ዝመስሉ ገልዳማትን፡ “ መንግስቲ ኤርትራ ንኣፍሪቃ ኣብነት ዝኸውን...
ጣቕዒት ኤርትራ: ኣብዘይቦታኣ ንዘይዋናኣ ጣቕዒት ወይ ጨብጨባ፡ ናይ ሰባት ምልክት ሓጎስ፡ ሓድነትን ጥምረትን፡ ምስጋናን ደገፍን፡ ሞራል ምሃብን ምትብባዕን ምዃኑ ኣየማትእን። ቀልቢ ዘለዎም ጥዑያት ሰባት ድማ:፡ ጣቕዒት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንኣብነት፡ ኣብ ግዜ መሳጢ መደረ፡ ደርፊ፡ ድራማ፡ ስፖርታዊ ውደድር ወዘተ የንጸባርቕዎ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሽካጎ ኤሊኖይ፡ ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብወግዒ ሕጹይ ንምቕራብን ደገፎም ንምሃብን፡ ካብ 19 ክሳብ 22 ነሓሰ ን4 መዓልታት ዉዕዉዕ ዋዕላ ኣካይዶም። ኣብቲ ዋዕላ፡ ሕጹያት፡ ፖለቲከኛታትን ጽልዋ ዘለዎም ውሩያት ሰባትን በብተራ መደረ ምስ ኣቕረቡ ዝተራእየ ናይ ሓጎስ ጫውጫውታ፡ ዝተሰምዐ ነጎድጓዳዊ ጣቕዒት፡ ምንብልባል ባንዴራ ኣመሪካን ምስሊ ሕጹያትን ከምኡ እውን ኣስማት ብምጽዋዕን፡ ነቲ ሃገርገር ዝብል ብሕብራዊ መብራህቲ ዝወቐበ መአከቢ ኣዳራሽ ፍሉይ ድምቀትን ግርማን ሂብዎ ነይሩ። ነቲ ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ናይ ኣመሪካ ኣብ መስርሕ ምምራጽ መራሒ ሃገር ዝተዋህበ ትሕዝቶ መደረን ናይ ተሳተፍቲ ዋዕላ ደገፍን ኣድናቆትን ንምንጽብራቕ ዝተራእየ ማዕበላዊ ዘጣቕዒትን ፍስሃን፡ ምስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ መፋርቕ 2018 ኣብ ኣስመራን ኢትዮጵያን ዘስምዖ ናይ ክድዓትን ውርደትን መደረን ብደገፍቱ ዝተራእየ ጣቕዒትን ከወዳድሮ ፈቲነ። ንስሙ መልሓስ ተዛሪባ ትኸውን ኣእዳው እውን ኣጣቂዐን፡ ብመንፈስን ዕላማን ግን ሰማይን ምድርን ኢዩ። ኤርትራውያን ነቲ ተጠሊዑ፡ “ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፋኣናን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ኢና፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ዝደለኻዮ ክትፍጽም ስልጣን ሂበካ ኣለኹ” ዝበለ ካብ ሓደ ልቦና ዘለዎ መራሒ ክወጽእ ዘይትጽበዮ ቃላትን ሓረጋትን ብጣቕዒት ሓጎሶም ክገልጹን ንኢሳያስ ከም ጣዖት ከምልኽዎን እንከለዉ “እምበርዶ ጥዑያት ኤርትራውያን ኢዮም? ሓንጎሎም ብግቡእ ይሰርሕ ድዩ” ኢልካ ክተሓስብ ትግደድ። ክብረትካን መንነትካን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ንቡር ህይወትካ ዝዘርግን ሰብኣዊ መሰልካ ዝግህስን ውልቀሰብን ጉጅለን ኣብ ክንዲ ወጊድ...