ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዝቕየር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሶማል ክህሉ ከምዘይኮነ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶማል ዕላዊ ጌሩ። መንግስቲ ሶማል ፡ ኣብ’ቲ ዝትካእ ሓድሽ ዓቃብ ሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኽህሉ ከምዘይኮነ ብወግዒ ኽገልጽ ሕጂ ፋልማዩ እዩ።
ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ምትፍናን ዝርከብ መንግስቲ ሶማል፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል መሰጋገሪ ኣሃዱ ዓቃብ ሰላም ኣብ ሃገሩ ንልዕሊ 15 ዓመታት ወፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ክወጽእ እያ ክትጽውዕ ጸኒሓ። መንግስቲ ሶማል ብፍላይ ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሶማል ዝርከቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ጠቕሊሉ ኪወጽእ ጻዕርታት የሐይል ምህላዉ እዉን ኣይርሳዕን።
ብሰሪ’ቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ተእኣትዩ ዘሎ ኣከራኻሪ ስምምዕ ፡ ቊጠዓኣ ተዛይድ ዘላ ሶማል ፡ ነቲ ንልኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ብግህዶ ዝጥሕስ እዩ እትብሎ ስምምዕ ንኸይዕወት ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ኩሉዓይነታዊ ምቅርራባት ተዛሕትልን ፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ምስ ዝሓብራ ዘለዋ ሃገራት እዚ ሶማል ኪዳን ትምስርትን ምህላዋ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ፡ እቲ ኣትየንኦ ዘላዋ ስምምዕ ኣንጻር ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ መሰናኽላት ኣብ ተግባር ክበጽሕ ምዃኑ ካብ ምግላጽ ከምዘይተቘጠባ ይንገር። ናይ’ዚ ጠንቂ ፡ መንግስቲ ሶማል ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ምትእምማን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራዊን ተልእኾታት ኢትዮጵያ ቀይድታት የዛይድ ከምዘሎ ይሕበር።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ፡ መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣብ ቀጽሪ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ሃገሩ ተደኲኑ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞ መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።
መሻርኽቲ ኣጓጂሉ ናብ ወተሃደራዊ ምትፍናን ከየምርሕ ኣስጊኡ ዘሎ ምትህልላኽ ሶማልን ኢትዮጵያን ፡ ቀጻሊ ብዝኽሰቱ ዲፕሎማስያዊ ምጥቕቓዓት ይጋደድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኾይኑ: ኣብ ምዝዛም ወርሒ ጥቅምቲ እዉን ፡ ምክትል ቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ኣብ ዉሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝተነግሮ ይዝከር።