ኣብ ምሽብሻብ ንዳግማይ ጥፋኣት ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ሰሙን ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ምካዳ ኣይተርፍን፡ ተጠቂምናላ ስለዘይንፈልጥ ውን ብዙሕ ዘተሓሳስበና ኣይኮነን ዝብል ዕላላት፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይብትን ምህላዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሚዲያ ኲናት የለን እንዳበለ ኣብ ውሽጢ ግን ኲናት ከምዘይተርፍን ኩሉ ዓይነት ምድላዋትን ክግበር ኣዚዙ፡ ክሳብ ድፍዓት ናቅፋ ኣብ ምጽጋን ዝበጽሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ሰሙን ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ምካዳ ኣይተርፋን”ዩ። ቀደሙ ውን ብዙሕ ስለዘይንጥቀመላ ዝጎዳኣና ኣይኮነን ዝብል ሓደገኛ ዕላላ ይብትን ምህላዉ”ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
እዚ ህግደፍ ብናይ 03 መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዝዘሮኦ ዘሎ ዕላላት፡ ህዝቢ ብስጋኣት ኣብ ጎኒ እቲ ጉጅለ ክጽጋዕን፡ ዋጋ ንኽከፍልን ንምግባር ዝዓለመ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ናይ’ዚ ሰሙን ዕላል ኣካል ናይ’ቲ ህግደፍ ዜጋታት ንምስላይን፡ ስምዒት ህዝቢ ንምእካብን ዝገብሮ መስርሕ ክኸውን ከምዝክእል ውን”ዮም ዝግምቱ።
ብሉኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ተሓሊቁ ዘይፈልጥ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ናይ 98 ኲናት ኢትዮኤርትራ ውን ሰራዊት ንዓሰብ ገዲፎማ ክወጹ ይእዝዝ ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ ኣብ’ዚ ክውልዖ ዝሓስብ ዘሎ ኲናት ብሰራዊት ኢትዮጵያ እንተተደፊኡ፡ ኣብ ድፋዓት ናቅፋ ኾንካ ንዝካየድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ኣማራጺ ብምቅማጥ፡ ብእንተታት ነቲ ዘኪርዎ ዘይፈልጥ ድፋዓት ናቅፋ ይጽግን ምህላዉ ሓበሬታና ወሲኹ የረድእ።