ኣብ ትሕቲ ጸረ ህዝብን ሃገርን ዝኮነ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ እትወድቅ ንንየው፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 33 ዓመታት ጥራሕ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኳ ተከሲቱ ብዘይፈልጥ ናይ ስእነትን ድክነትን ሃለዋት ዝሕመስ ህዝቢ ዝነብራ ሃገር ኮይና እትርከብ ኤርትራ፡ ዘይከምቲ ብልሳን ጉጅለ ህግደፍ ዝወሃባ ናይ ሓሶት መልሲ፡ ምስ ዘለዋ ሃገራዊ እቶት ብምንጽጻር ብዕዳ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኳና፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ዝተዘርግሐ መጽናዕታዊ ዜናታት ኣፍሊጡ።
ኣብ’ዚ ብመንገዲ ቢዝነስ ኢንሳይደር ኣፍሪካ ከሙኡ ውን፡ vanguardngr.com ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ዝተዘርግሐን፡ ምስ ጃምላዊ እቶተተን ብምዝማድ ዝዓበየ ናይ ዕዳ ስኬል ዘለወን ብምባል ንቀዳሞት 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ብቀደም ተከተል ኣቀሚጡ ዝርከብን መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ብ(210.6% of GDP) 1ይቲ፡ 2ይቲ ሱዳን (146.5% of GDP) 3ይቲ ዛምብያ (107.5% of GDP) ብምባል ካብ ቀዳማይ ክሳብ 3ይ ክሰርዐን እንከሎ፡ ኬፕቨርደ፡ ሞዛንቢክ፡ ኮንጎ፡ ዚምባቡወ፡ ማላዊ፡ ጋና፡ ሞሪታንስ ከኣ ካብ 4ይ ክሳብ 10 ከምዝምደባ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ’ዚ መጽናዕታዊ ሓበሬታ እታ ብልሳን ጉጅለ ህግደፍ ሳላይ ሰላምን ርጋኣትን ረኺባ እንዳተባህለት እትግለጽ ኤርትራ፡ ነታ ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ 2 ወተሃደራውያን ሓይልታት ብዝተከፍተ ኲናት፡ ናብ ዓውደ ውግእ ዝተቀየረትን፡ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ህዝባ ዝተመዛበለን ሱዳን ቀዲማ ብዕዳ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ምኽኣላ፡ ኣዚዩ ዘገርም ኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ መንግስቲ”የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ንኤርትራ ኩሉ ዓይነት ቁጠባዊ ሓበሬታ ዘይርከበላ ሃገር ክትኸውን ድሕሪ ምግባሩ፡ ዕዳ ዘይብላ ሃገር”የ ዝመርሕ እንዳበለ ብዝሰርሖ ፕሮፖጋንዳ፡ ኣፍ ንዘውጸአ ወጽዓን ድክነትን ህዝብና ክኽውሎ ዝፍትን ምኳኑ፡ ተግባራቱ ንኣረሜንነት እቲ ጉጅለ ዝገልጽን ኣጉሊሑ ዘነጽር”ዩ።