ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይክተልብ ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉን ምስ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ዝግበር ጽምዶ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ኲናትን ዘይምርግጋእን ከም ዘምጽእ ተሓቢሩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይቅዋምን ስርዓተ ሕግን ኣብ ዝረግጸሉ ዘሎ እዋን፡ ብጉልባብ “ ጽምዶን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን” ምስ ገለ ወገናት ክልል ትግራይን ኣምሓራን ከምኡ’ውን ምስ ሱዳናውያን ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስን ወዛሕዛሕን፡ ዘላቂ ሰላም ከምዘየምጽእ፡ ነቲ ኩነታትር ብቀረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ወገናት ኣረዲኦም።
ብቀጻሊ፡ ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ተንኮለኛ ፖሊሲ ዝኽተል ጉጅለ ህግደፍ፡ ንረብሓን ምዕባለን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ከይሃበ ስልጣኑ ንምዕቃብ ኣብ ክንዲ ምርግጋእ ተጻብኦ ዝዕድም ዘይሕጋውን ዘይምእኩልን ርክባት የካይድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ 2018 ምስ ሰልፊ ብልጽግና ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይነበሮን ንህወሓት ንምድምሳስን ዘካየዶ ናይ ሓደ ኢናን ተደሚርናን ውልቃዊ ዕርክነት፡ ኣብ 2020 ውጽኢቱ ኩናትን ህልቂትን ኢዩ ኮይኑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መራሒናን ድላይካ ርኸብን” ዝተባህለ ኣቢዪ ኣሕመድ ከም ቀንዲ ጸላኢ፡ ብኣንጻሩ ጃንዳ ወያነ ተላኣኣኺ ኣመሪካ ዝተባህለ ድማ ከም እሙን መሓዛ ተወሲዱ ብስም ተጸሚድና ብዙሕ ይምደረሉ ኣሎ።
ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓን ምክብባርን ሕጋዊ ዝምድና ምምስራት እምበር ከም ገልገለ መስቀለ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእን ውሕስነት ዘይብሉን ኣብ ዳሳትን ብጓይላን ዝተሰነየ ናይ ተንኮል ውዕላትን ምትእስሳርን ዘዋጽኦ ኣይኮነን።
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ንምቁጽጻር ነጋሪት ኩናት ኣብ ዝሃርመሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ካልኦት ከባቢታትን ኩናትን ጸጥታዊ ዘይምርግጋእን ኣብ ዝዓብለለሉ መድረኽ፡ ህዝብኻ ጠርኒፍካን ኣንቒሕካን ረብሓኻ ምሕላውን ዘይሻራዊ ዝምድና ምምስራትን ተመራጺ ምዃኑ፡ እቶም ምንጭታት መኺሮም።
ገበርትን ሓደግትን እናተራግሑ እንከለዉ “ህዝቢታት ትግራይ፡ ኤርትራ ኣምሓራን ኣሮሞን ሱዳንን ሰላም’ዮም ዝደልዩ” ብምባል ኣብ ባይታ ሰረት ዘይብሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድራማ ምስራሕ ከኣ ንዓሻ እበር ንልቦና ዘለዎ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ናይ ኣማን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን እንተልዩዎ፡ ቅድሚ ደገ ደገ ናይ ሓሶት ዕርክነት ምፍጣር፡ ፈለማ ቤቱ ከጽሪ፡ ምስ ነብሱን ምስ ህዝቡን ጽምዶ ክገብርን ይግባእ።