ጸረ ህዝብን ሃገርን ብምኳን ንዝሓለፉ 35 ዓመታት ሃገር ኣብ ደልሃመት ደርብዩዋ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ: ብዘይ ዝኮነ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን፡ ንዓመታት ብዝጨወዮምን ብዝሓዮሮምን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣቢሉ፡ ዝወረዶ ተነጽሎ ከሕውን ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረክብን፡ ዝጨወዮ ዓመታት ዕድሚኦም ከይገደሶ ፖለቲካዊ መጣልዒ ክገብሮም ይፍትን ምህላዉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ጸረ ህዝቢ ሃገርን ዝኮነ ተግባራቱ ምኳኑ ተገሊጹ።
ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ህዝቢ ረጊጹ ዝርከብን፡ ኤርትራ ብድክነት ስደትን ዕረፍቲ ኣልቦ ህልቂትን ክትልለን ዝገበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዘይ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን፡ ንዓመታት ጨውይዎም ዝጸንሐ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ክፈትሖም ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጎኒፍዎ ንዘሎ ከቢድ ተነጽሎ ከሕዊ፡ ፍርቂ ዕድሚኦም ሰሪቁ ብዘይ ዝኮነ ፍርዲ ናይ ዘፋነዎም ውልቃዊ መንነት እንዳዘርግሐ፡ ሓላዪ ህዝቢ መሲሉ ክዋሳእን፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕላው ጥራሕ ፖለቲካዊ መጣልዒ ክገብሮም ምፍታኑ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ዝከሓነ ጽልኢ ዘረጋገጽ’ዩ።
መሰል እሱራት ናይ ምክባርን ሕጊ ናይ ምክታልን ስነምግባር ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ጽምዶ ኣብ ግምት ብምእታው ምሕረት ከምዝገበረሎም ድሕሪ ምእዋጁ፡ ቁጠዐ ህዝቢ ሰማይ ከምዝዓረገን፡ ደቆም ኣጥፊኦም ኣብ ዘይተረዱኡ ስድራቤታት ውን ዝከፈአ ስምዒታት ምፍጣሩን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጽና ምንባርና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን እሱራት ዝግበር ዘሎ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ፡ ነድሪ ህዝቢ ንምዝሓል ጥራሕ ተገዲዱ ይገብሮ ምህላዉ ውን”ዮም ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብእከይ ተግባራቱ ዝተደወነ ምስሉ ንምኽዋልን፡ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ትንፋስ ንምርካብን፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ሰዊርዎም ዝጸንሐ ዜጋታት ኤርትራ ይፈትሕ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ግን፡ ህግደፍ ቁጥዐን ነድርን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዝፈትሖም ብቁጽሪ ውሑዳት ዜጋታት፡ ውልቃዊ መንነቶም ከይተረፈ ንደገ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ጻድቅ መሲሉ ክረአ ይጽዕር ምህላዉ”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን: መታለሊ ዘይልሙድ ተግባራት ብምፍጻም፡ ለውጢ የረጋግጽ ምህላዉ ንከእምን፡ ሓቐኛ ባህርያቱ ብምኽዋልን ዕድመ ስልጣኑ ንምዕቃብን፡ ተቓውሞ ንምልማስን፡ ዝዓለመ ሰፊሕ ምንቅስቃስን ዘይተለምደ ውሳነታትን ኣብ ምውሳድ ምህላዉ ዝገልጹ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ህግደፍ ዳግም ናብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ክመልሶ ዝኽእል ዝኮነ ይኩን ዕድል ዘይምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ቁንጣሮ እሱራት ብምፍጣሕ ዝረጋገጽ፡ ወግዓዊ ኣዋጅን ግሉጽነትን ዘይብሉ ውሳነታት ጉጅለ ህግደፍ: ዕምሪ ስልጣን ናይቲ ጉጅለ ኪንዮ ምንዋሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ነገር ዘይምህላዉ ዝጠቅሱ ምንጭታትና፡ ሕዩራት ብምፍታሕ ዝውገድ ጸገምን፡ ዝረጋገጽ ሰብኣዊ መሰልን ስለዘየለ ብምጥቃስ፡ መሰረታዊ ጠለብን ሕቶን ህዝቢ ኤርትራ: ኩሎም ተሓይሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ዝጠልብ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ልዕሊ ሕዩራትን ስድራቤቶምን ዝወረደ፡ ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ቁጠባውን ማህሰይቲ፡ ግቡእ ካሕሳ ክወሃቦን፡ ፈጸምቲ ገበን ኣብ ሕጊ ክቀርቡን ይግባእ ዝበሉ ምንጭታት ውሽጢዓዲ፡ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ብዝተፈላለየ ምኽንያት ህይወቶም ዝሰኣኑ ዜጋታትና ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ዝብሎ ሓላፍነታዊ ጉጅለ እንተኮይኑ፡ ሓላፍነት ኣብ ኢዱ ዝሓለፉ ዜጋታት ክወስድን፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንስድራቤቶም ከቕርብን ከምዝግቦ ውን”ዩ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ: ብዘይ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ዝሓየሮም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ትሕቲ ጎዳጉዲ የሳቅዮም ምህላዉን ኣብ ልዕሊ እሱራት ምሕረት ክገብርን ተደጋጋሚ ግዜ ንዝቀርበሉ ክሲ፡ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ክኽሕዶ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ገጢምዎ ንዘሎ ሃገራውን ኣህጉራዊ ተነጽሎን ጸቅጥን ንምቅላልን፡ የዋሃት ንምድንጋርን፡ ብዘይ ዝኮነ ሕጋዊ መስርሕ ዓመታት ዝጨወዮም ዜጋታትና ቆቆንጢሩ ካብ ማሕዩር ክለቆም ምጅማሩ፡ መርኣያ ጭካኒኡን ውድቐቱን ምኳኑ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝገበረ እንተገበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ጭካነነ በደልን መምሙለጢ ከምዘይብሉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ተሓታትነትን ግሉጹነትን ከይተረጋገጸ፡ ዝግበር ዝኮነ ይኩን ነገር ግዜ ንምዕዳግ ዝምደብ ፖለቲካዊ መናውራ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታውያን ጠለባቱ ክሳብዘይተመለሰሉ፡ ብግዝያዊ መደናገሪ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ክዛነን ክዕሾን ከምዘይኮነ”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።