
ኣብ 18 መስከረም 2001 ንዝተፈጸመ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ምክንያት ብምግባር፡ ዓመታዊ ሽልማት መሰል ምግላጽ ሓሳባት ዘበርክት ፐን ኤርትራ፡ ንመስራቲ ራድዮ ኤረና ጋዜጠኛ ብንያም ስሞኦን ዕዉት ሎሚ ዓመት ጌሩ ከምዝረቅሖ ኣፍሊጡ።
ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ደረስቲን ዝቖመ፡ ንድንፋዐ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ዝሕለቕ ኣካል ዓለማዊ ማሕበር ፐን ኢንተርናሽናል ኮይኑ፡ ን18 መስከረም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘካይዶ ናይ ኣፍልጦ መደባቱ፡ ንመስራቲ ራድዮ ኤረና ጋዜጠኛ ቢንያም ስሞኦን ዕዉት መሰል ምግላጽ ሓሳባት 2025 ጌሩ ከምዝመረጾ”ዩ ዝገልጽ።
ጋዜጠኛን መስራቲ ራድዮ ኤረናን ብንያም ስምኦን፡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ምህናጽ ሚድያዊ ትካል ከምኡ ድማ ባህሊ ሚዛናዊ ትሕዝቶ ዜና ብምትብባዕ፡ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ተጎናጺፉ ምህላዉ ዝገለጸ ፐን ኤርትራ፡ ኮሚተ ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ትምኒት ተስፉ:ሄኖክ ተስፋብሩኽ ከምኡ’ውን የማነ ሃይለ ብዘቕረብዎ ጸብጻብ መሰረት፡ ‘ኣፍልጦ ይግበኦም’ ተባሂሎም ብደጋፊ መረዳእታ ካብ ዝተረቚሑ ሕጹያት፡ መምዝኒ ነጥብታት ተኸቲሎም ብዝሃብዎ ድምጺ ብንያም ስምኦን ዝለዓለ ነጥቢ ብምርካብ ነቲ ሽልማት ከም ዝበቕዐ”ዩ ዝሕብር።
ብንያም ቅድሚ ናብ ስደት ምውጽኡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ከም ኣቕራቢ ዜና፡ ክኢላ ቴክኒክ፡ ቪድዮግራፈርን ኣርትዓይን ብምኳን ሞያዊ ኣበርክቱኡ ዝተዋጸአ ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ኣብ 2009, ብንያም ምስ ብጾቱ ብምዃን ካብ ከተማ ፓሪስ እትፍኖ ሳትላይት ራድዮ ኤረና መስሪቱ፡ ቃልሲ ኣብ ምሕያል ዓቢ ተራ ኣብ ምጽዋት ዝርከብ ኮይኑ፡ ምምስራት ናይታ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን እትፍኖ ማዕከን ዜና፡ ነቲ ምስ ምእጋድ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ተኣሳሲስሩ ዘጋጠመ ናይ ዜናን ሓበሬታን ሕጽረታት ኣብ ምምላእ ልዑል እጃም ኣብ ምጽዋት ምህላዋ ዝፍለጥ”ዩ።
ራድዮ ኤረና ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘንቀለን ከም ራድዮ ኣሰና፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ፡ ዓዋተን ወዘተ ብምዃን፡ ነቲ ብናይ መንግስቲ ሚድያታት ጥራይ ዝወሃብ ፕሮፓጋንዳ ዝብድህ መለሳ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ዝጭበጥ ጽልዋ ኣመዝጊባ”ያ ዝበለ ፐን ኤርትራ፡ ጋዜጠኛ ቢንያም ስሞኦን ከም ፈላሚ ዳይረክተር ራድዮ ኤረና ትካል ኣብ ምህናጽን፡ ብቕዓት መደባት ኣብ ምክትታልን ዓቢ ግደ ከምዘበርከተን፡ ምኵራትን መንእሰያትን ጋዜጠኛታትን ብምስታፍን ባይታ ብምፍጣርን ውን፡ ንነዊሕ ዓመታት ከየባተኹ ኽቕጽሉ ኣብ ምግባር ሓያል ናይ መሪሕነት ብቕዓቱ ከምዘንጸባረቀ”ዩ ዝግለጽ።
ራድዮ ኤረና ኣብ ውሱን ዓውዲታት ከይተደረተት፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ስፖርት፡ ስነጥበብ፡ ቊጠባ፡ ዜና፡ ትንተና ወዘተ. ዘድሃቡ መደባት ብምቕራብን ብምፍናውን ኵሉ መዳያዊ ኣቓልቦ ክትረክብ ምኽኣላ ዝጠቀሰ ፐን ኤርትራ፡ ሞያዊ ምምያ ዝተገብረሎም ሚዛናውያን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ንእትፍለጥን፡ ትካላዊ ተኣማንነት ዘጥረየት ማዕከን ዜና ኮይና ንክትርከብን፡ ጻዕርን መሪሕነትን ብንያም ልዑል ምንባሩ”ዩ ዝገልጽ።
ኣደ-መንበር ኮሚተ ሽልማት ትምኒት ተስፉ፡ መማይት ኮሚተ ብተወፋይነት፡ ዓቕሊ፡ ብቕዓት መሪሕነትን ጭውነትን ብንያም ኣመና ከምዝተደነቀት ዝገለጸት ኮይና፡ ጋዜጠኛ ቢንያም ስሞኦን ምስ ኩሉ ንዋታዊ ሕጽረታት፡ መጠን ኣልቦ ፖለቲካዊ ተጻብኦታትን ሕጽረት ሓበሬታን እንዳተቃለሰ፡ ከም መስራትን ዳይረክተርን ብዘይምሕላል ብሉጽ ኣበርክቶ ምውፋዩ ዓቢ ናእዳ ኣለና ክትብል ኣድናቆታ ዝገለጸት ኮይና፡ ኣባል ኮሚተ ሽልማት የማነ ሃይለ ብወገኑ፡ ብንያም ስምኦን፡ ጸጋታት ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሙ ዝናን ህቡብነትን ከሳሲ ዘይመረጸ፡ መትከላትን ስነምግባርን ጋዜጠኝነት ኣብ ግብሪ ካብ ዘውዓሉ ውሑዳት ሓደ”ዩ ብምባል፡ ኣበርክቱኡ ንዓወት ከምዘብቅዖ ገሊጹ።
ሽልማት ፐን ኤርትራ ካብ 2019 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝዕደል ሽልማት ኮይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፍን ምዅስኳስ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ልዑል ኣበርክቶ ንዘርኣዩ ውልቀ-ሰባት፡ ትካላትን ጕጅለታን ዝዕደል፡ ኣርማ ፐን ኤርትራ ዝተቐርጾ ኒሻንን፡ $1,000 (ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ) ሞራላዊ ሽልማት ዝሓዘ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ”ዩ።
ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝእወጅ ኰይኑ፣ ነቲ ኣብ 2001 ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ኤርትራ ዝተኣወጀ እገዳ ንምዝካርን፡ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ንምቅዋምን፡ ከምኡ ድማ ነቲ ዝተኣስሩሉ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ዝሕመረቱ ውርሻ ንምድማቕ ዝዓለመ ምኳኑ”ዩ ፐን ኤርትራ ዝገልጽ።
ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2025 ብንያም ስምኦን፡ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሚላኖ-ጥልያን ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ኣኼባ ፐን ኤርትራን ወግዒ ምዕዳል ሽልማትን ተረኺቡ ዓወቱ ክጽንብል ምኳኑ”ዩ መግለጺ ፐን ኤርትራ የረጋግጽ።
ፐን ኤርትራ ኣብ 2019 ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ካብ ዝጅምሮ ንደሓር፡ ዛጊት ኣብ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ተሸሊሞም ዘለዉ ተቓለስቲ፡ ጋዜጠኛን ገጣሚትን ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ጋዜጠኛን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሳልሕ ጋዲ (ጆሃር)፣ ፕሮፈሰር ስነ-ጽሑፍ ግርማይ ነጋሽን ድምጻዊ ኣብራር ዑስማን ደራሲ ዳንኤል ሰመረን ኮይኖም፡ መስራትን ኣካያድን ራድዮ ኤረና ጋዜጠኛ ብንያም ስሞኦን ውን ኣካል ናቶም ኮይኑ ይርከብ።
ሰሉስ 18 መስከረም 2001 ምስ ምእሳር ላዕለዎት ሰበሰልጣናት፡ ሸውዓተ ጋዜጣታት ብሕቲ ድሕሪ ምዕጻወን፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንጽባሒቱ 19 መስከረም፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ፕረስን ብምጽራረን፡ ከምኡ’ውን ብሕጊ ኽሰርሓ ንዝተዋህበን ተደጋጋሚ ዕድልን መዘኻኸርን ብምንጻገን፡ ንግዚኡ ደው ክብላ ውሳነ ከምዝሓለፈ ምግላጻ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ 23 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ዝተካየደ ሃድን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ኣቶ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣቶ መድሃኔ ሃይለ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ኣቶ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ሰቲት ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሰኣሊን ጋዜጠኛን ናይ ውልቂ ኣበርካትን ኣቶ ስዩም ጸሃየ፡ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካትን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ናይ ውልቂ ኣበርካትን ደራሲን ኣቶ እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረ)ን ካሎኦትን፡ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጥ ኩነታት ተሰዊሮ። ምህላዎም”ዩ መዛግብቲ ፐን ኤርትራ ዘመልክት።