
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ብዞባውያን መንጐኛታት ንዝቐረበ ዳሕረዋይ እማመ ምቍራጽ ተጻቦኦን፡ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታትን፡ ምስ እስራኤል ከም ዝተሰማምዐ ምንጪ ናይቲ ዕጡቕ ጕጅለ ፍልስጤም ኣፍሊጡ።
እቲ ብግብጽን ቐጠርን ዝቐረበ እማመ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብ ወርሒ ሰነ ንዘቕረቦ ክልተ መድረኻዊ ሓሳብ ምርኩስ ዝገበረ ምዃኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓማስ ኣብ መጀመርታ 60 መዓልታት፡ ኣስታት ፍርቂ ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 50 እስራኤላውያን፡ ኣብ ክልተ ዙር ናጻ ክሰዶም ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ቀዋሚ ተዅሲ ደው ንምባል ውን ዝርርብ ክግበር ከም ዝኽእል”ዩ ዝግለጽ።
ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር በንያሚን ናታንያሁ፡ ኣቀድም ኣቢሉ ጅሆ ዝተታሕዙ ኩሎም ዜጋታት እስራኤል ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ዝፍታሑ ጥራይ ስምምዕ ከም ዝቕበል ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እስራኤል ሓማስ ንዝተቀበሎ እማመ እትህቦ ግበረመልሲ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ዛጊት ንጹር ከምዘይኮነ”ዩ ዝንገር።
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ከም ዘጽደቖ ዝገልጽ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤናሚን ናታንያሁ ቐጥታዊ ርእይቶ’ኳ እንተ ዘይሃበ፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ወዲቁ ምህላዉ ግን ካብቲ ዝተወስደ መርገጺ ከም ዝተገንዘብ”ዩ ኣብ ቃላቱ ዝገልጽ።
ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይዚ ሰሙን፡ ሰራዊት ሃገሩ ኸተማ ቓዛ ንምሓዝ ንዝሓንጸጾ መደብ ከጽድቕ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብታ ከተማ መጥቃዕትታት ሰራዊት እስራኤል እናሓየለ ብምኻዱ፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ክሃድሙ ተገዲዶም ምህላዎም ክንገር ምጽንሑ ዝፍለጥ”ዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚ ናታንያሁ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ምስ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሃገሩ መጥቃዕትታታ ከተስፍሕን ንመላእ ቓዛ ክትቈጻጸርን ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓማስ ብውሳነ እስራኤል ኣብ ግዱድ ምርጫ ካኣቱ ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።