
ዝተፈልየ ሓሳብ ንምቅባል ዝከውን ሞራልን ትብዓትን ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝብርኽ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ንምዕፋንን፡ ብኢደዙር ናይ ተቓውሞ ድምጺ ንምዕባጥን ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ንጹሃን ስድራቤታት ናይ ምእሳርን ምንክልባትን ተግባራቱ ይቅጽሎ ምህላዉ ተገሊጹ።
ካብ እዋን እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ ዝተፈልየ ሓሳብን ሪኢቶን ከም ቁሪ ዘርዕዶ ብውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘይካ”ተን ኣፍ ናይቲ ጉጅለ ዝኾና ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ኤሪቲቪን ዝኮነ ይኹን ሓሳብ ዘአንግድ ብሕታዊ ማዕከናት ብምዕባስ ሓሳብ ዘለዎም ዜጋታት ብምስዋር፡ ህዝባዊ ሰልፊ ብምእጋድን መስመር ኢንተርነት ኣብ ሃገር ከይኣቱ ብምእጋድን፡ ዝተፈልየ ሓሳብ ብዘየአንግድ ምልካዊ ምሕደራ ሃገር ኣብ ትሕቲ ኩለመዳያዊ ጭኮና ኣውዲቑ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕላው ክቃለስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን ኣብ ስደት ዝእንገድ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣትዩ፡ ብመንገዲ ናይ ተቓለስቲ ሳተላይትን shareit ዝተሰምየ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽንን ህዝቢ ክቀባበለሉ ምጅማሩ ድቃስ ዝሰኣነ እቲ ጉጅለ፡ ስድራ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ብምእሳርን ብምግፋዕን፡ ኣፍ ንምዕባስ ተቓውሞ ንምቅናስን ይሃልክ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ፡ ስድራቤታት ኣብ ስደት ኮይኖም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ከንከላብት ምጽንሑ ምንም ዝፈልጦ ሓቂ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ልዕሊ ወላዲ ማዕበል ክፍላይ ዝተገብረን ወላ ውን ንደገፍቲ እቲ ጉጅለ ዘቅሓረን ሕሱር ተግባር ስዒቡ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ወላዲ ነሽነሽ ኣቦይ ተስፋኣለም ውን ተመሳሳሊ ናይ ምጭዋይ ስጉምቲ ምውሳዱ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ራዕዲ ከምዘለዎ ንምርዳእ ዘክእል ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ድምጺ ተራ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚዲያ ንምጽዋር እኳ ዓቅሚ ዝውሕዶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ መሓውራቱ ኣቢሉ ዓቅሚ ጉጅለ ህግደፍ ቀሊል ከምዘይኮነን፡ ህግደፍ ምስ ምሉእ ሓይሉ ምህላዉን ክነግር ዝፍትን ወላ ዳኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ”ቶም ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊኦም ናብ ሃገር ዝኣትዉ ዜጋታት ከይተረፈ ኣብ ናይ ተቓውሞ ጽሑፋት ኮመንት ጽሒፍካ ላይክ ጌርካ እንዳበለ ናይ ምእሳርን ምፍርራሕን ስጉምቲ ክወስድ ምጽንሑ፡ እቲ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ብውሽጡ ዝመሽመሸ ጉጅለ ምኳኑ ዘረድእ ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ስድራ ተቓውሞ ዘስምዑ ዜጋታት ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምስዋርን ስጉምቲ፡ ንውድቐቱ ዝያዳ መርትዖ ምኳኑ ዘረጋግጽ”ዩ።
ኣብ መወዳእታ ዕምሪ ስልጣኑ ዝርከብን፡ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ ዘካይድ ዘሎን ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ እቲ ጉጅለ ምጽዋሩ ሲኢኑ ኣብ ጫፍ ምጽማም በጺሑ ምህላዉ ኣጸቢቑ ዝርዳእ ኮይኑ፡ ህላዉኡ ንምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ዝፍጽሞ ዘሎ ኣነዋሪ ተግባር ጥፍሽና ህግደፍ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ብቑዕ ምክንያት ከምዘይብሉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ልዕሊ ወላዲ ነጣፊ ማሕበራዊ መራከቢታት ነሽነሽ ተስፋኣለም ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ተግባር፡ ኣቐዲሙ ካድራት እቲ ጉጅለ ብዝማሃዝዎ ሰምሳሪ”ዩ ዝብል ጸለመ ምክንያታዊ ዝተገብረ ስጉምቲ ዋላ ዳኣ ይኹን እምበር፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣፍ ማሕበራዊ መራከቢታት ነሽነሽ ንምዕባስን ተቓውሞ ንምቅናስ ዝተወስደ ካብ መንግስቲ”የ ዝብል ኣካል ዘይትጽበዮ ሕሱር ተግባር ምኳኑ ካብ ማንም ዝኽወል ኣይኮነን።
ኣብ መደምደምታ ህግደፍ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ናይ ቆሪጸ ተስፋ ብዙሕ ኣነዋሪ ተግባር ክፍጽም ምኳኑ ኩሉ ተቃላሲ ዝጽበዮ ኮይኑ፡ ንኣቦና ኣቶ ተስፋኣለም መዋጾኦ ክፈጥረሎም ንምነ።