
ግንባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ግዝኣታት ሰንሲናቲ ኦሃዮ፡ ዳላስ ቴክሳስ፡ በይ”ኤርያ ካሊፎርንያ፡ ከሙኡ ውን ስያትል ዋሽንግቶን፡ ሰሚናር የካይድ ምህላዉ ወኪል ኤሪፒኤም ገሊጹ።
ዑደት ግምባር ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ካብ ዝሓለፈ 8 ነሓሰ 2025 ጀሚሩ ምስ ተቓለስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፊት ንፊት ዘራኽብ መደባት ሰሪዑ፡ መጻኢ ኣንፈት ቃልሲ ከብርህን፡ ሕቶ ተቓለስትን ክምልስ ምጽንሑን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም መቀጸልታ ናቱ ብቀዳም 16 ነሓሰ 2025 ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ዝተካየደ ህዝባዊ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበለ ሕቶታት መሊሱ ከምዝተዛዘመ “ዩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብቀዳም ዝተካየደ ሰሚናር ዳላስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ብስነጥበባውያን የውሃንስ ትካቦ፡ ኣሮን ነጋስን ካሎኦት ሙዚቀኛታትን ዝተሰነየ ናይ መዘናግዒ መደባት ከም ዝተካየደን ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ብ ኤሪፒኤምን ካሎኦት ሚዲያታትን ብቀጥታ ዝተመሓላለፈ መደብ፡ ንብዙሕ ሕቶ ተቃለስቲ መሊሱ ምዝዛሙ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።