
ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተደጋጋሚ ግዜ ናይ ዘረፋን ቅትለትን ገበናት ክፍጸም ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣሰካፊ ኩነታት ሕጂ ውን እንተኮነ ይቅጽል ምህላዉ ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብቲ መዓስከር ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ትማሊ ኣማስዩኡ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ዝሓዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ወርሓዊ መቁነን ንምውሳድ ኣብ ሪጋ ተሰሪዖም ኣብ ዝነበርሉ ሰዓት፡ መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቃት ከም ኣመሎም ናብቲ መዓስከር ኣትዮም መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ በቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ነጃሕ ሸኽ ኢብራሂም ትብሃል ጓል 15 ዓመት ከምትወግአትን በቲ መጥቃዕቲ ምኽንያት ዝተፈጥረ ዕግርግር ድማ ኣብ ብዙሓት ኣእሙራኣዊ ሃስያ ኣውሪዱ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፈደራልን ዕጡቅ ሓይሊ ፋኖን ዂናት ድሕሪ ምውልዑን፡ ጸጥታዊ ኩነታት እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምፍራሱን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከቢድ ሓደጋ ክወርድ ምጽንሑ ተደጋጋሚ ግዜ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም መውጺኢ ዝሰኣኑ ስደተኛታት፡ ግዳይ መንነቶም ዘይፍለጡ ሸፋቱን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ይኾኑ ምህላዎምን ብሓላፍነት ዝሕተተሎም ኣካል ከምዘየለን”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ብምፍራሱ ዳባትን ከባቢኡን መዋፈሪ ሸፋቱ ምህላዉ ዝገልጹ ምንጭታትና፡ እቶም ስደተኛታት ህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ወይ ውን ናብ 3ይ ሃገር ክጣየሱ ኣብ ምሕጽንታ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ሰማዒ ኣካል ክረኽቡን ካብ ስጋኣት ክናገፉን ክሉ ዝከኣሎ ክጽዕረሎም ምሕጽንታ የቅርቡ ምህላዎም”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ምስ ዕጡቓት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ዝፈጠሮ ምስጢራዊ ሽርክነት ኣብ ግጭት ክልል ኣምሓራ ሩኡይ ተሳትፎ ዝገብር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ተደጋጋሚ ግዜ ሰባት ክጨዊ ምጽንሑ ውን ዝዝከር”ዩ።