
መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብፍሉይ ጸጥታ ኣብ ዝተሰነየ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣላስካ ከምዝተራኸቡ ተገሊጹ።
ቤትጽሕፈት ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሓከፈ ሰሙን ናይ ፊት ንፊት ዘተ መራሕቲ ሩስያን ኣመሪካን ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንኮራጅ ኣላስካ ድሕሪ ምርኻቦም፡ ናይ 7 ሰዓታት ዘተ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክሬን ከካይዱ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ክልቲኦም መራሕቲ ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዝተራከብሉ መዓርፎ ነፈርቲ ኣላስካ፡ ብርክት ዝበላ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ምንባረንን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ካብ ነፈርቲ ምውራዶምን፡ ርክብ ክልቲኦም ጸለውቲ መራሕቲ ጸጥታዊ ጥንቃቀ ዝተመሎኦ ምንባሩ”የን ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ዓለም ዝገልጻ።
ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኣብ ቀይሕ ምንጻፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣላስካ ናይ ስእሊ መደባት ድሕሪ ምክያዶም፡ ናብቲ ዓለም ብሃንቀውታ ክትጽበዮ ዝጸንሐት ኣኼባ ኣምሪሖም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ናይ ጸጥታ ሓለዋ ምህላዎምን፡ ናይ ክልቲኦም ዘተ ዓለማዊ ኣቃልቦ ስሒቡ ምህላዉን”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ ኲናት ዩክሬይን ደው ምባል ዓቢ ዕላሙኡ ምኳኑ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ትራምፕን ፑቲንን እቶም ምስ ልኡኻቶም ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክሬንን ዝምድና ሩስያን ኣመሪካ ዝገብርዎ ዘተ፡ ፍረ ክርከቦ ትጽቢት ይግበር።
ብወገን ሩስያ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣንድሬይ ቤሉሶቭ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣንቶን ሲልዋኖቭ፡ ኣማኻሪ ክረምሊን ዩሪ ዩሻኮቭን ካልኦት ወከልትን ኣብ ዘተ ክልቲኦም ጸለውቲ መራሕቲ ዝተረኽቡ ኮይኖም፡ እቲ ናይ ኣላስካ ርክብ ታሪኻዊ ርክብ መራሕቲ ኮይኑ ክምዝገብ ከምዝኽእል ዝግመት እኳ እንተኮነ፡ ባኣንጻሩ ሓደጋ ዝተመልኦ ክኸውን ከምዝኽእል ውን”ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ግምቶም ዘቐምጡ።
ምስ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ንመበል 49 ግዚኡ ዝራኸብ ዘሎ ቭላድሚር ፑቲን፡ በዚ ናይ ትማሊ ርክብ ምስ ሓሙሽተ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ተራኺቡ ናብ ኣላስካ ዝበጽሐ ቀዳማይ መራሒ ሩስያ ክኸውን እዩ።