
ደቡብ ሱዳን ብጉዳይ ምግዓዝ ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ምስ እስራኤል ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ከምዘይገበረት ኣፍሊጣ።
ደቡብ ሱዳን ነዚ ዝገለጸት፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ኮይኑ፡ ደቡብ ሱዳን ዜጋታት ፍሊስጤም ንምቅባል ምስ እስራኤል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ዝብሉ ዜናታት ይስምዑ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ እቲ ዝጋዋሕ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት ከምዘይብሉን፡ ንፖሊሲ ደቡብ ሱዳን ውን ከምዘየንጸባርቕ”ያ ገሊጻ ትርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ እስራኤል ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸራ መደብ ከምዘለዋን፡ ፍልስጤማውያን ካብ ጋዛ ብህጹጽ ክወጹን ተማሕጺኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ እስራኤል ተጓዒዙ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዝታዩ ስዒቡ፡ ደቡብ ሱዳን ብጉዳይ ምግዓዝ ፍሊስጠማውያን ምስ እስራኤል ተሰማሚዓ ዝብል ዜናታት ክወጽእ እዃ እንተቀነየ፡ ደቡብ ሱዳን ንምግዓዝ ፍሊስጠማውያን ካብ ጋዛ ብፖሊሲ ደረጃ ከምዘይትድግፎ”ዩ እቲ በዓል ስልጣን ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ማዕከን ሓበሬታ ኣሶሴይትድ ፕረስ እሙናት ንዝበሎም ምንጭታቱ ብምጥቃስ፡ ደቡብ ሱዳን ፍልስጤማውያን ዜጋታት ኣብ ሃገራ ንምቅባል ምስ እስራኤል ኣብ ዝርርብ ምህላዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ንፖሊሲ እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእተወን”ዩ ዝበለ ወጻኢ ጉዳይት ደቡብ ሱዳን፡ ሃገሩ ምስ እስራኤል ብጉዳይ ዜጋታት ጋዛ ዝገበረቶ ዘተ ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መራሒ ናይታ ብዛዕባ ዳግመ ሰፈራ ፍልስጤማውያን ምስ እስራኤል ተዘራሪባ ተባሂላ ትክሰስ ዘላ ደቡብ ሱዳን ዝኮነ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፡ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሳሮን ሃስከል ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተራኺቡ ከምዝዘተየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዜጋታት ፍሊስጤም ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ወላ ኳ ብወግዓዊ መግለጺ እንተነጸገቶ፡ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ግን ምስ እስራኤል ትሰርሕ ምህላዋ”ዩ ዝእመን።
ሶማልያን ሶማሊላንድን ብተመሳሳሊ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ንዜጋታት ፍልስጤማውያን ክቕበላ ተሓቲተን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ካብ እስራኤል ዝቐረበለን ሕቶ ከምዘይቅበሎኦን ከምዘይድግፎኦን ብምግላጽ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ክነጽጎኦ ምጽንሐን ኣይርሳዕን።