
ኣቦመንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ህዝባዊ ርክባት ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትግራይ መሬታዊ ሓድነታ ዘኽበረ ናይ ሰላም ርክባት ከምእትድግፍ ገሊጹ።
ምስ ኩሎም ጎረባብትና ሰላም ኢና ንደሊ፡ ባህግና ውን ዶባትና ዶብ ሰላም ክኾኑ እዩ ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ይኹን እምበር እቲ ርክብ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ብዘኽብር ክኸውን ከምዘለዎ”ዩ ዝጠቐስ።
ምስ ኤርትራ ንዘሎ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ኣብ ዘዳውቡና ከባቢታት ዝርከብ መሬትና ሓራ ክኸውን ንመንግስቲ ፌደራል ሓቲትና ዛጊድ ተፈጻምነት ኣይረኸበን ዝበለ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ብስም ጽምዶ ዝካየድ ዘሎ ርክባት ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ንጽምዶ ብዝምልከት ናይ ፈለማ ወግዓዊ ሪኢቱኡ ገሊጹ።
ብስም ጽምዶ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን ዝተፈጥረ ሽርክነት፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብዝተወከሉ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ እንዳተመርሐ፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ህዝብታት ዝተሳተፍሉ ጽምብላት ኣብ ምክያድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
መንግስቲ ፌዴራል ንዝካየድ ዘሎ ስግረዶባዊ ርክባት፡ ከም ጥሕሰት ሉኣላዊነት ከም ዝምልከቶን ግዚያዊ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ ነዚ ርክባት እዚ ደው ንምባል ካብ ዝተሰማማዓሎም መምርሒታት መንግስቲ ፈደራል ምንባሩ ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፡ ይኹን እምበር ዶ/ር ደብረጽዮን ጽምዶ ናይ ህዝብታት ርክብ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ባህጊ ውድብ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ብሰላም ክነብር ምኳኑ ዝገለጸ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ይኹን እምበር ምስ ጎረባብትና ክንጓነጽ ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ ኣሎ ክብል ድሕሪ ምክሳሱ፡ ሰላም ኢና ንደሊ ዝብል ቃል፡ ጥራሕ ኮይኑ ክቅጽል ከምዘይግባእ ብምጥቃስ፡
ዝተፈናቀለ ህዝቢ ናብ ቤቱ ክምለስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወጽእን ካልእን ብመንግስቲ ፈደራል ክስራሕ ዝግቦኦ ተወንዚፉ ምህልው ብምግላጽ፡ መሬት ትግራይ ተወሪሩ እንዳሃለወ መንግስቲ ፈደራል ኣብ መሬቶም”ዮም ዘለዉ ዝብል ግብረመልሲ ከምዝሃቦም”ዩ ዝኸስስ።
ኣብ መግለጺኡ ውሳነ ኣልጀሪስ እውን ብዘተ እዩ ዝትግበር ዝበለ እቲ ኣቦወንበር ርክብ ኤርትራን ትግራይን ኲናት ዝውልዖ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንጽምዶ ብዝምልከት ካብ ዲፕሎማት ከይተረፈ ሕቶ ከምዝመጾም ብምጥቃስ፡ እቲ ዝግበር ዘሎ ርክባት ዝኮነ ይኹን ሽርሕን ተንኮልን የብሉን፡ ትግራይ ሰላም ጥራሕ”ዩ ድላያ ክብል”ዩ ዝገልጽ ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንጉዳይ መሬታዊ ሓድነት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ፓርላማ ርእይቶ ዝሃበ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብቲ ብውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነሉ ከባቢታት ወጻኢ፡ ካልእ ዝተቆጻጸሮ ግዝኣት እንተሎ ዘጻሪ ኮሚቴ ከምዘጣየሰ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
ይኹን እምበር፡ እቲ ናብ ስራሕ ኣትዩ ዝተብሃለ ኮሚቴ እንታይነቱ ከምዘይፍለጥን፡ ናብቲ ከባቢታት ከይዱ ምጽራይ ከም ዘይገበረን”ዮም መራሕቲ ዝገልጹ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወጥሪ ኣትየናሉ ኣብ ዘለዋ አዋን፡ ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ሓይልታት ኤርትራ ንገለ ግዝኣት ኢትዮጵያ ተቆጻጺሮም ከምዘለዉን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከሲሱ ምንባሩ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስም ዝርዝር ዝተታሕዘ ከባቢታት ከይገለጸ ዝሓዙዎ ከባብታት በዓሎም ይፈልጡዎ’ዮም ዝብል ሓጺር መልሲ ምሃቡ ዝዝከር”ዩ።