
ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብመፈራርሒ ኲናት ምዕፋን ኣይከኣልን ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰሙናዊ ሓተታ ዘቅረበ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ውዕል ፕሪቶርያ ንጎኒ ጎስዩ፡ ኲናት ንምውላዕ ይዳሎ ምህላዉ ከሲሱ።
ህዝቢ ትግራይ ኮነ መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ብሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክፍትሑ ከምዘለዎም ዝኣምን፡ ትማልን ሎምን ዘይንቕነቕ ቅዋም ኣለዎም ዝበለ ህወሓት፡ ዘጋጥሙ ፍልልያት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ተበግሶ፡ በሪ ህዝቢ ትግራይ ኮነ መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ርሕው”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ንልኡኽ ጉጀለ ጉባኤ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ከምዘዘራረበ ብምጥቃስ”ዩ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ብምድላው ኲናት ከሲሱ ዝርከብ።
ኣብቲ ዘቀረበ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ዛኣተወ ልኡኽ ጉጅለ ጉባኤ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ፡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ንዝተዛረቦ ቃላት መሰረት ብምግባር ዳግም ናብ ግጭት ዘእትዉ ጉዳያት ንምፍታሕን፡ ስግኣት ጎንጺ ንምጥፋእን ሃቂኑ፡ ጻውዒት ሰላም ሒዙ ከምዝመጸ ዝገለጸ እቲ ውድብ ፡ ላዕለዋይ መሪሕነት ሕወሓት ነቲ ጉጅለ ኣዘራሪቡ፡ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ዓይነት በደላት እናተፈጸሞ እውን እንተኾነ ምእንቲ ሰላም ኢሉ መስዋእቲ ኣብ ምኽፋል ዝርከብ ህዝቢ ምዃኑን፡ ንሰላም ውን ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበሃጎን ዋጋ ዝኸፍለሉን ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ከምዝነኣደ ድሕሪ ምግላጹ፡ ፈደራል መንግስቲ ካብ ዝከዶ ዘሎ ኣካይዳ ክእደብ መዘለዎ ዘረደአ ኮይኑ፡ እቲ ሉኡኽ ጉጅለ ውን ብዕላል ዝነበሮ ስእልን ኣብ ባይታ ዝጸንሖ ክውንነትን ዘይራከብ ምኳኑ ከምዝገለጸሎም”ዩ ጠቂስዎ ዝርኸብ።
ህወሓት፡ ኩሉ ደላዪ ሰላም ክፈልጦ ዝግባእ፡ እቲ ብወገን ትግራይ ንሰላም ኢልካ ዝግበር ዘሎ ስጉምቲ ትዕግስቲ ምግባር ምኳኑ ጠቂሱ፡ 40% መሬት ትግራይ ተወሪሩ ህዝቢ ብመንነቱ እናተቐተለን እናተሳቐየን፡ ኣብ ስደትን ማእኸላት መዕቖብን ሓምሻይ ክረምቲ ኣርኪብዎ ዝናብ ኣብ ልዕሊኡ እናጽሓየ፡ ምእንቲ ሰላም ሰላም፡ክብል ሕጂ እውን እንተኮነ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ዝኣተዎ ውዕል ፕሪቶርያ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ በደል ከብቅዕ ዝሰርሕ፡ ብወገን ትግራይ ግጭት ዝዕድም ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣብ ዘየለወሉ ግዜ፡ ኣጀንዳ ንምቕያር ኣብ ወፍሪ ምፍርራሕ ተጸሚዱ ከፈራርሕ ይፍትን ኣሎ ብምባል”ዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምፍርራሕ ኢዱ ክእድብ ዝጽውዕ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፉ እውን፡ ዕጡቓት ብምውዳብን ብምዕጣቕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ በደል ይፍጽም ኣሎ ክብል ኣብ መግለጺኡ ዝከሰሰ ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሜላ ጀኖሳይድ ንዝተጠቐመሉ ዕጽዋን ክባን ዳግም ብምትግባር፡ ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ፡ ነተን ካብ ውራን ዕንወትን ዝተረፋ ትካላት ትግራይ ክሳብ ምጭዋይ ዝበጽሕ በደላት ይፍጽም ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ክንዲ ውዕል ፕሪቶርያ ብምትግባር ህዝብና ውሕስንኡ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ግብኡ ዝፍጽም፡ መንንቱ ቀይሩ ክኣቱ ይኽእል እዩ እናበለ ኣብ ምብጫው”ዩ ይርከብ ክብል ድሕሪ ምክሳሱ፡ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ጸዊዑ።