
ግብጺ ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ድልዱል ወተሃደራዊ ዝምድና ምስ ሶማልያ ክትምስርት ቃል ምእታዋ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ግብጺ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋጽ ክሰርሕ ምዃኑን፡ ግብጺ ንሶማልያ ክትገብሮ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ ደገፍ ውን ብዝሓየለ መልክዑ ክትቅጽሎ ምዃናን ቃል ኣትዩ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ኤል ኣላሜን ኣብ ዘካየዶ ርክብ ኮይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ንዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ንምምካት ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክቕጽሉ ቃል ከምዝኣተዉ”ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ ካብ ግብጺ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ሶማል፡ ክልተኣዊ ዝምድና ክሕይል ከምዝተሰማምዑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ግብጺ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ከም ስትራተጂካዊ ዝምድና ከምእትጥምቶ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ናይ ጥሪ 2024 ስምምዕ፡ ግብጺ ኣብ ጎኒ ሶማል ብምስላፍ ሉኡላዊ ግዛኣት ሶማል ክድፈር ከምዘይተፍቅድ ተደጋጋሚ ግዜ ብምግላጽ ወተሃደራዊ ደገፋት ኣብ ምግባር ምጽንሓ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስ ጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር ውን ግብጺ ቀይሕ መስመር ምኳኑ ንኢትዮጵያ ከተጠንቅቅ ምጽንሓ ዝፍለጥ”ዩ።