
ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዓለም ክፍትሑ ብስም እታ ቤተክርስትያን ጻውዒት ኣቕሪቦም ።
ኣቡነ ሊዮ መበል 14፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ፈለማ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ማእሰርቲ ናይቶም “ሓቂ ብምድላይን ብምጽብጻብን” ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ጋዜጠኛታት “ንሕልና ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝብድህ’ዩ” ብምባል ክፍትሑ ከምዝግባእ ጻውዒት ዘቕረቡ ኮይኖም፡ ናጻ ፕረስ ክሕሎ ከምዝግባእ ዝጠቀሱ እቶም መንፈሳዊ መራሒ፡ ትካላት ሚዲያ “ክቡር ህያብ” ክብሉ ንዝገለጽዎ ብናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ክዕቅብዎ ከምዘለዎም ተማሕጺኖም።
ብመሰረት መግለጺ ኮሚቲ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ብውሕዱ ኣስታት 361 ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ዝግለጽ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ተኪኦም መንበረ ቫቲካን ዝተረከቡ ኣቡነ ሊዮ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ድኽነትን ኣብ ምቅላዕ ንዝጻወትዎ ተራ ብምንኣድ”ዮም ምሕረት ጸዊዖም ዝርከቡ።
ትካላት ሚዲያ ፖለቲካዊ ጸግዒ ኣብ ክንዲ ምሓዝ ሓቂ ኣብ ምጽብጻብ ከተኩሩን፡ “ንሓላፍነትን ጽልኢን” ቦታ ከይህቡን ዝተላበዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊክ፡ ብናጽነት ናይ ምዝራብ መሰል ተፈጥሮኣዊ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ኣዳለውትን ኣባላትን ናይተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይሕ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዮም ተሰዊሮም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ መስከረም 2001 ዘጋጠመ ኩነታት ኤርትራ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ግብ ዝበለ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ወዲቓ፡ ይትረፍ ብደረጃ ጋዜጠኝነት፡ ክልተ ሰብ ኣብ እንዳሻሂ ኮይንካ ሓሳብካ ንምግላጽ እኳ ዘይተፍቅድ ሃገር ብምኳን ኣብ ከቢድ ጸልማት ተዋሒጣ ምህላዋ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ”ዩ።
ኣብ 18 መስከረም 2001 ብዝተወስደ ናይ ጭውያ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ፡ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ምዃኖም ሰነዳት ዘመልክቱ ኮይኖም፡ ዓመታዊ ኣብ መዳይ ነጻነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት እተስራዕ ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ መበል 180 ደረጃ ተሰሪዓ ምህላዋ፡ ኣብ ምጅማር ናይዚ ወርሒ ብምኽንያት መዓልቲ ፕረስ ዝወጸ ሓበሬታ ተመርኲስና ገሊጽና ምንባርና ኣይርሳዕን።