
ኣመሪካ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኢላ ምስ እትጽውዖ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ቀጥታዊ ዘተ ምክያዳ ተገሊጹ።
እቲ ዝተካየደ ዘተ፡ ኣብ ጋዛ ጅሆ ተታሒዞም ንዝርከቡ ኣመሪካውያን ዜጋታት ኣርእስቲ ጌሩ ዝካየድ ክኸውን ከምዝክእል ዝግመት ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ዘተ ክመርሕ ንኣዳም ቦይለር ከም ፍሉይ ሉኡክ መዚዝዎ ምህላዉ ውን”ዩ ዝግለጽ።
እቲ ልኡኽ ምስ ካን ቲቪ ናይ እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ “ሓማስ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ እንተተበጺሑ፡ ንኹሎም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ዜጋታት ከምዝፈትሖምን፡ ዕጥቁ ከውርድን ድልው ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ውሽጣዊ መተሓላለፊ ታንከራት ምሉእ ብምሉእ ክዕጾን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ታነል ዝኾነ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ከይህሉን ንምግባርን፡ ኣብቲ ምስጢራዊ ኣኬባ ሓሳብ ከምዘቕረቡ”ዩ ጠቂሱ ዝርከብ።
ገለ ካብቶም ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ዘልዕሎም ነጥብትቅት፡ ብተዛማዲ ምኽንያት ተግባራውነት ክህልዎም”ዩ” ዝበለ ኣዳም ቦህለር፡ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ንምፍታሕ ምስቲ ዕጡቅ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ ክልተኣዊ ስምምዕ ክብጻሕ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣስዒቡ፡ ምስ ሓማስ ዝፍጸም ዘላቒ ስምምዕ ሰላም ንጸጥታ እስራኤል ውሕስነት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ስምምዕ ንዕጥቂ ምፍታሕ፡ ምዝዛም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሓማስን፡ ዳግመ ህንጸት ጋዛን ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ሞንጎ ሓማስን ኣመሪካን ዝተካየደ ምስጢራዊ ዘተ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዶሓ ናይ ቀጠር ከምዝተካየደ፡ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ መራሒ ሓማስ ዝኮነ ታህር ኣል ኖኖ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዝገለጸ ኮይኑ። ላዕለዋይ ልኡኽ ሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኮነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ እሱራት ንምልውዋጥን፡ ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ጸቕጢ ንምግባርን፡ ጽባሕ ናብ ዶሃ ከቅንዕ ምኳኑ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።