ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ ናሳ፡ ኣርተሚስ 2 ዝተሰምየትን፡ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ንመዓልታት ዝተዳናጐየን መንኮርኮር፡ ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ናብ ከባቢ ወርሒ ከምዝፈንጨፈ ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ናብ ዙርያ ወርሒ ዝካየድ ዘሎ በረራ፡ ጠፈርተኛታት ዘሳተፈ ፍሉይን ታሪኻውን ጉዕዞ ኮይኑ፡ ኣብ’ዛ ናሳ ድሕሪ 52 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ዝለኣካ መንኮርኮር፡ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ጸሊም ኣመሪካውን ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ናብ ከባቢ እታ ግርማ ለይቲ ዝዀነት ወርሒ ሉኡኩ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እዚ ናሳ ዘካይዶ ዘሎ በረራ ኣካል ናይቲ ሰብ ናብ ገጽ ወርሒ ንምምላስ ተተሊሙ ዘሎ ውጥን ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ወግዓዊ ናይ 10 መዓልታት ታሪኻዊ ጉዕዞ ጠፈር ኣብ ዙርያ ወርሒ የካይዱ ምህላዎምን፡ እዚ ከኣ ካብ’ቲ ወዲሰብ ቅድሚ ሎሚ ዘካየዶ ናይ ሰማያት በረራ፡ እቲ ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ ጉዕዞ ክኸዉን ምኳኑ’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
10 መዓልታት ዝጸንሕ ተልእኾ ዝተዋህቦም ጠፈርተኛታት ናሳ፡ ኣብ ወርሒ ክዓልቡ መደብ ከምዘይብሎም ሓበሬታ ናሳ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ንወርሒ ብዙርያ ክኸብዋን ዘድሊ ናይ ጠፈር ምርምር ከካይዱን መደብ ተታሒዙ ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ናሳ፡ ኣብ 2022 ብተመሳሳሊ፡ ኣርተሚስ 1 ዝተሰምየት ሰብ ኣልቦ ሞንኮርኮር፡ ናብ ጠፈር ሊኢኹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2030ታት ናብ ማርስ ንምብጻሕ ዕላማ ጌሩ ይሰርሕ ምህላዉ ውን’ዩ ዝንገር።
ኣብ’ዚ ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ በረራ ኣርተሚስ ዝሳተፉ ዘለዉ ጠፈርተኛታት ናሳ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ንወርሒ ክዘሩዋ ምኳኖም ወሲኹ ዝገለጸ ሓበሬታ ናሳ፡
ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ በረራ ምንቅስቓስ ናይታ ‘ኦርዮን’ ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታንን፡ ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከምዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ከካይድ መደብ ምሓዙ”ዩ ዝገልጽ።
እቶም ጠፈርተኛታት ነዚ ንምግባር ኪኖ ወርሒ ብምሕላፍ፡ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ናብ ሃው ዝበለ ጠፈር ክበሩ ትጽቢት ዝግበረሎም ኮይኑ፡
ብዘይካ’ዚ ንካፕሱል ብኢዶም ብምዝዋር ኣብ ዙርያ ምድሪ ክሕምበቡ ከምዝኮኑ’ዩ ናሳ ወሲኹ ዝገልጽ።
እዚ ትማሊ ረቡዕ ብቀጥታ ፈነወ ናብ ህዝቢ ዝቐረበ መንኮርኮር ናይ ምውንጫፍ መስርሕ፡ ልዕሊ 2ሚሊዮን ህዝቢ ብቀጥታ ከምዝተከታተሎን፡ ንደረጃ ዕብየት ናሳ ዘመስከረን ምንባሩ ውን’ዩ ዝንገር።