ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይዶ ዝጸንሐ ወታደራዊ ወፍሪ፡ ቀንዲ ሸቶታቱ ከም ዝሃረመን፡ እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ ሰሙናት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዛዘም ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መደረ ኮይኑ፡ በቲ ምስ እስራኤል ብምልፋን ከካይድዎ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ወታደራዊ ዓቕሚ ኢራን ምድካሙን፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መራሕታ ምቅንጻሎምን፡ ዓቢ ዓወት ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ እቲ ኩነታት ናይ ሰሙናት ሕቶ ተርፉዎ ምህላዉ እዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ትራምፕ ኣብ መደሩኡ፡ ሰራዊትና ናብ ሃገርና ክንመልሶ ኢና ክብል ዝተጠቅመሉ ቃል፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገርን ደገፍቱን ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ብከምዚ ዘለዎ እንተቀጺሉ ግን፡ ንኢራን “ናብ ዘመነ እምኒ” ክመልስዋ ምኳኖም ወሲኹ ምግላጹ፡ መደሩኡ ንጹር ኣንፈት ዘይሓዘ ተጋራጫዊ ሓሳባት ዝበዝሖ ምኳኑ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ዝገልጹ።
ናይ ውሽጢ ሃገር ደገፍቲ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንመልእኽቲ እቲ ፕረዚደንት ከም ብስራት ዓወት ይርእይዎ ምህላዎም ውን ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ወገናት ግን ብኣንጻሩ፡ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ፡ ምቁራጽ ናይ ባሕሪ ንግዲ ከምኡ’ውን ሃገሮም ብዘይ ዝኮነ ንጹር ዕላማ ናብ ዘየድሊ ውግእ ምእታዋን ከም ዓቢ ውድቀት ብምቅማጥ፡ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢራን ንእስራኤል ከሐጉስ ኣመሪካ ዘየድሊ ዋጋ ክትከፍል ምኽንያት ምኳኑ’ዮም ዝኸሱ።
እስራኤል ብወገና ኣብ’ቲ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ምቅይያር ሓይሊ ሚዛን እኳ እንተኣመነት፡ ኣመሪካ ክትወጽእ ከላ ንዝመጽእ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ግን፡ ብዓቢ ሓይሊ ንምምካቱ ትዳሎ ከምዘላን፡ ኣብ ናይ ተጠንቀቅ ኩነተ ህላወ ክትቅጽል ምኳናን’ያ ትገልጽ።
ብካልእ ገጽ ናይ’ቲ ኩነታት፡ ኢራን ንምውጻእ ኣመሪካ ካብ’ቲ ኲናት ከም ድኻም ብምቁጻር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕታ ክትኸፍት ድላይ ከምዘለዋ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እስራኤል ብመጥቃዕቲ ኢራን ክትህሰ ከምእትክእል ውን’ዩ ዝንገር።
ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ መደሩኡ፡ ኲናት ከብቅዕ ምኳኑ ብዓቢ ርእሰ-ተኣማንነት እኳ እንተገለጸ፡ ዕዳጋ ዓለምን፡ ናይ’ዚ ኲናት ቀጥታዊ ግዳያት ዝኾኑ ኣካላትን ግን እቲ ኲናት ብሓቂ ጠጠው ኢሉ ድዩ፡ ወይስ ናብ ካልእ ሓደገኛ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ንምፍላጥ ከቢድ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።