ኣብ ክልል ትግራይ፡ ወላ ውን ድምጺ ሓንቲ ጥይት ክስማዕ የብሉን ክብል፡ ሚኒስተር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ ገሊጹ።
ሚኒስተር ኣብርሃም በላይ ነዚ ዝገለጸ፡ ንኹነታት ዘላቂ ሰላም ትግራይ ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣቦ መንበር ተልእኾ ሰላም ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ፡ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኮይኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዘለዎ ዓቅሚ ዳግማይ ኲናት ክጻወር ዝኽእል ከምዘይኮነት ብምጥቃስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ይትረፍ ዳግማይ ኲናት፡ ድምጺ ሓንቲ ጥይት ውን ክስማዕ ከምዘይብሉ”ዩ ዝገልጽ።
ሚኒስትር ኣብርሃም በላይ ኣስዒቡ፡ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ መንግስቲ ፈደራል ንክልል ትግራይ ከምዝድግፍ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኩሎም ሓይልታት ናብ ዘተን ምርድዳእን ዝመርሕ መንገዲ ጥራሕ ክኽተሉ ከምዝግባእ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ሚኒስተር ኣብርሃም በላይ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ፌደራል፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ምስ ዝሰርሑ ኣካላት ንምስራሕን፡ ለውጢ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ብቐጥታ ንምስታፍን፡ ድሉው ምህላዉ ከምዘረጋገጸ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣቦወንበር ተልእኾ ሰላም ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንመስርሕ ሰላም ዘለዎ ድጋፍ ከምዝገለጸሉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣቦ መንበር ተልእኾ ሰላም ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ብወገኑ፡ ምስ መንግስቲ ፌደራል፡ ዓለምለካውያን ትካላትን፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ኣተኲሮም ዝሰርሑ ካልኦት መሻርክቲ ኣካላትን ብምትሕብባር፡ ኣብ ትግራይ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ቀንዲ ዕላማ እቲ ተልእኾ ውን፡ ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ማሕበራዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ፖለቲካውን፡ ምምሕዳራውን ጸገማት ንምፍታሕ ምዃኑ”ዩ ዝገልጽ።