ንጉዳይ ትግራይ ብቅርበት ዝከተታል ዓለምለካዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላትን፡ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕጊን ኢባህሪ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ንዝነበረ ደማዊ ኩነታት መከተምታ ዋላ እንተገበረሉ፡ ኣብ ትግራይ ብኩሎም ሓይልታት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ግን ብዘይ ምቁራጽ ይቅጽል ምህላዉ፡ ን5ይ ዓመት ምውላዕ ኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
፡ትካል ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለካዊ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊን ዝኮነ ኢባህሪ፡ ምስ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ጃምላዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ጾታዊ ስቅያት፡ ጾታዊ ባርነትን ሰብ ዝሰርሖ ጥሜትን ዝርከብዎም ገበናት፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ደው ክብሉ ዘይምካኣሎም ሻቕሎት ከምዝፈጥረሉ ዝገለጸ ኮይኑ፡
ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ዘይሻራዊ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ኵነታት ክምርምርዎ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከረጋግጹን፡ ኣብ ልዕሊ ገበን ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓታትነት ከረጋግጹ ከምዝግባእ ብምጥቃስ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ትካል ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለካዊ ማሕበር ሰብሞያ ሕግን ኢባህሪ ነዚ ዝገለጸ፡ ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተላፊኑ፡ ኲናት ይጽሕትር ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘውጾኦ ክሲ ኮይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻጉ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ከይፈርስ ከቢድ ስጋኣት ይስምዖ ምህላዉ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣቦ መንበር ትካል ኢባህሪ ማርክ ስቲቨንስ ብወገኑ፡ ወላ”ኳ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ኣብ ቦታኡ እንተሃለወ፡ ዓመጽ፡ ምምዝባል፡ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ካልእን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዕናዊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ክብል ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ምቍራጽ ዓለማዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ICHREE]፡ ሓደገኛ ሃጓፍ ገዲፉ ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ተወሳኺ ገበናት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ተኣማንነት ዘለዎ ናይ ፍትሕን መስርሓት ዳግማይ ክሰርዕ ከምዘለዎ”ዩ ዝገልጽ።
ኲናት ትግራይ፡ ኣብ 21ክፍለዘመን ካብ ዝተኸሰቱን፡ ኣስካሕካሒ ደማዊ ኲናት ካብ ዝተራእየሎምን ግጭታት ሓደ ኮይኑ፡እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቀጸለ ግጭት፡ ኣስታት 600,000 ዝግመት ሰላማዊ ህዝቢ ከምዘህለቐ”ዩ ዓለማዊ ጸብጻባት ዝገልጽ።
ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ወጥሪ ዝርከቡ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ፈጺምኩሞ ተባሂሉ ንዝቐረበሎም ክሲ ገበናት ኲናትን፡ ገበን ኣንጻር-ሰብኣውነትን፡ ተደጋጋሚ ግዜ ክነጽግዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ሕጂ ብትካል ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለካዊ ማሕበር ሰብሞያ ሕጊን ኢብሃሪ ዝወጸ ጸብጻብ ብዝምልከት ግን፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዛጊት ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢብሃሪ ኣብ ዘውጾኦ ናይ ጻውዒት መግለጺ፡ ግዱሳት ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ካልኦት ዓለምለካውያን ትካላትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ይቕጽል ኣሎ ዝበሎ ግፍዕታት ንምግታእ፡ ህጹጽን ጭቡጥን ስጕምትታት ክወስዱ ከምዝግባእ”ዩ ዘተሓሳስብ።
ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሚያን ካልእን ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ መሰል ንምጽራይ፡ ዘይሻራዊ ዓለማዊ መስርሕ-ሕጊ ዳግም ክጣየስን እግሪ ክተክልን ዝሓተተ እቲ ትካል፡ ውሕስነት ሰላማውያን ሰባት ንክሕሎ፡ ናይ ቀይሕመስቀል ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ናብ ኵሎም ዝተጎዱኡ ወገናት ከምዝበጽሕ ንምግባር ክስራሕ ከምዝግባእን፡ ውጻእ-መዓት ንዝኮኑ ዜጋታትን ግዳያትን ብዘማእከለ ኣገባብ ፍትሒ ክወሓስ፡ ናይ ካሕሳ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራዉን ካሎኦት ደገፋትን ብህጹጽ ክረጋግጸ እዩ ተላብዩ ዝርከብ።