ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንህሉው ኩነታት ሱዳን “ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው” ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዓመጽን ብህጹጽ ደው ክብል ብምጽዋዕ፡ ምምሕዳሩ ኣቓልቦ ክህቦ ምኳኑ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብዎም መራሕቲ ሃገራት ዓረብ፡ ጽልዋኦም ተጠቒሞም ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኢዶም ከእትዉ ከምዝግባእ ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ኣሰቃቂ ኩነታት እታ ሃገር ከብቅዕን ሱዳን ብህጹጽ ክትረጋጋእን፡ ምስ ዓበይቲ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክሰርሕ ምኳኑ”ዩ ቃል ኣትዩ ዝርከብ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን ብፍሉይ፡ መሓዙት ማእከላይ ምብራቕ ምስ ዝኮና ሃገራት ብምኳን ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ መፍትሒ ንምምጻእ ክሰርሓ ዝጸውዐ ትራምፕ፡ ሱዳን ዓቢ ስልጣነ፡ ባህሊ ክብርታትን ዘለዋ ሃገር ክንሳ ኣብ ከምዚ ምውዳቃ ኣተሓሳሳቢ ምኳኑ”ኳ እንተጠቀሰ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት እቲ ዞባ ብዝግበር ምትሕብባር ግን ዳግማይ “ክትምለስ” ከምእትክእል”ዩ ዝገልጽ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብታ ሃገር መግቢ፡ ሓካይምን ኩሉ ዓይነት ሰባኣዊ ቀረባትን ብህጹጽ ከምዘድሊ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምምሕዳሩ ጉዳይ ሱዳን ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምኳኑን፡ ሱዳን ናብ ንቡር ክትምለስ ከምዝግባኣን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ንመግለጺ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስዒቡ፡ መግለጺ ዝሃበ መራሒ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ንርክብ ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ብሓጎስ ከምዝተቀበሎን፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንዝወስድዎ ተበግሶ ሱዳን ከምእተኽብሮ ብምጥቃስ፡ ብመንገዲ ናይ x ውልቃዊ ሕሳቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንክልቲኦም መራሕቲ ኣመስጊኑ።