
ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብንጥፈት ዝዋሳእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ፋኖን ዝተሳተፍዎ ስሉሳዊ ዘተ፡ ካብ ዕለት 11ክሳብ ዕለት 14 መስከረም 2025፡ ንኣስታት ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ማይ ሓባር ከምዘካየደ ምንጭታትና ሓቢሮም።
እቲ ንከባቢ ሓደ ሰሙን ዝቀጸለ ምስጢራዊ ዘተ፡ ንጹር ኣጀንዳ ዘቐመጠን ንልፍንታዊ ሓይሊ መሰረት ዝገበረን ምንባሩ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብልጽግና ዝመርሓ ኢትዮጵያ ካብ ውድቀት ንምድሓን፡ ካብ ህወሓትን ፋኖን ተዋጺኡ ዝቐውምን፡ ብደረጃ ግንባር ተወዲቡ ዝቃለስን ሓይሊ ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ ዝብል መምርሒ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ካምዝተዋህቦምን፡ እቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ብህጹጽ ኣብ ባይታ ክቐውምን ቤትጽሕፈት ምክልኻል ስርዓት ህግደፍን ካድራቱን መምርሒ ከምዝሃቦም”ዮም ምንጭታትና ዝሕብሩ።
ኣብ’ቲ ዝተካየደ ዘተ ሓላዪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቕርብ ዝፈተነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ኩናትን ወረ ኩናትን ወጺኡ፡ ንሃገሩን ጎረባብቱን ናብ ሽግር ዘየእቱ ኣጀንዳ ናይ ደገ ሓይልታት ተጸይኑ፡ ሰለማዊ መንግስቲ ክተክልን፡ ከምኡ ውን ግጉይ ቅማረ ምሕደራ ዝወለዶ ሽግር ወልቃይትን ራያን፡ ብልቦና ፈቲሑ ኩሎም ህዝብታት ብስኒት ዝነብርሉ ስርዓተ ምሕደራ ብህዝባዊ ምርጫ ክተክል ድሌት ከምዘለዎን፡ መስመር ተሰነይ ሕሞራ ማሕበረ ኢኮኖሚ ንምርግጋጽ እኹል ምኳኑን እኳ እንተገለጸ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ብህጹጽ ናብ ልፍንታዊ ግንባር ክወርዱ ጸቅጢ ክፈጥር ምፍታኑ ግን፡ ቀዳምነታቱ ምእላይ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ምኳኑ ከምዘነጽር”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ኣብ ምዝዛም እቲ ሚስጥራዊ ዘተ ዝተረኽበ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ናይ ፍርቂ ሰዓት መደረ ከምዘስምዐ ውን ምንጭታትና ወሲኾም ገሊጾም።