
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሕብረት ኤውሮጳን ዩክሬንን ዝሓወሰ ስሉሳዊ ኣኼባ ክካየድን፡ እቲ ዝርርብ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክካየድን ሓሳብ ከምዘቅረበን፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ መልሲ ከምዘይሃበትለን ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መራሕቲ ሩስያን ዩክሬንን ፊት ንፊት ተራኺቦም ብጉዳይ ምቁራጽ ተጻቦኦ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ድሌት ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስ ፕረዝደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ዋሽንግተን ብህጹጽ ክራኸቡን ንምዕባለታት ዘተ ሩስያን ዩክሬንን ኣመልኪቶም ክዛተዩን”ዩ ትጽቢት ዝግበር።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ንምርኻብ ድላይን ተገዳስነት ከምዘይብሉ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ወላ ውን ድሕሪ ዋዕላ ኣላስካ፡ መርገጺኡ ናይ ምቕያር ምልክት ከምዘየራኣየ እዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ማንዌል ማክሮን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝካየድ ኣኼባ ትራምፕን ዜለንስኪን ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣላስካ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ትራምፕን ፑቲንን፡ ኣብ ሰላም ዩክሬን ዝኾነ ይኩን ርኡይ ለውጢ ዘምጽአ እኳ እንተዘይመሰለ፡ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ግን ንዝያዳ ዝርርብ ሰላም ዓቢ ተራ ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዝእመን።