
ውድብ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ መልእኽቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከምዘይከኣለን፡ ባኣንጻሩ ብዝተፈናቀሉ ዜጋታት ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ይጽዕር ምህላዉ ብምግላጽ፡ ናይ ውዕል ፕሪቶርያ ተቋጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ብህጹጽ ክግምግም ጸዊዑ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዝወርድ ዘሎ ሓደጋታት ብምግንዛብ ብስምምዕ ፕሪቶርያ መሰረት ዝተዋህቦ ግዴታ ንምፍጻም ክንዲ ዝሰርሕ፡ ካብ ሞትን ስቓይን ተመዛበልቲ “ፖለቲካዊ መኽሰብ” ንምርካብ ይንቀሳቀስ ኣሎ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ሓላፍነቱ ክዋጻእ ስለዘይከኣለ፡ ሸምገልቲ ኣካላት ናይቲ ውዕል ገምጋም ክገብሩ”ዩ ሓቲቱ ዝርከብ።
ህወሓት ቀጺሉ፡ መንጐኛታት ናይቲ ስምምዕ ዝኮኑ ኣካላት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መንግስቲ ኣመሪካን፡ እቲ ስምምዕ ብዘይምትግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህጹጽ መፍትሒ ንምርካብ ጸቕጢ ክገብሩ ከምዝግባእ ዘተሓሳስበ ኮይኑ፡ ብህጹጽ ገምጋም ክካየድን ውዕል ፕሪቶርያ ዝትግበርሉ መንገዲ ክናደን”ዩ ሓቲቱ ዝርከብ።
ዝተፈናቀሉ ዜጋታት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ ምግባር፡ ሓደ ካብ ስምምዓት ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ተፈናቀልቲ ዝኮነ ይኹን ፍታሕ ከምዘይረኸቡ”ዩ ዝንገር።