
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ኣስታት 100 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ናይ ኢጣልያ ድሕሪ ምግልባጣ፡ ብውሕዱ 26 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ከም ዘለዉን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ወሃቢ-ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣርባዕተ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 60 ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ፡ ኣብ ላምፔዱሳ ናብ ዝርከብ ማእከል ከም ዝተወስዱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ተሳፈርቲ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ ከባቢ ትሩቡሊ ንግሆ ኣብ ክልተ ጀላቡ ተሰቒሎም ድሕሪ ምብጋሶም፡ ሓንቲ ካብተን ጀላቡ ማይ ክኣትዋ ብምጅማሩ ናብታ ካልኣይቲ ከም ዝተደረቡን፡ ድሒሩ ውን ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን”ዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ-ቓል ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ፍላቪዮ ዲ ጂያኮሞ፡ ኣብተን ክልተ ጃላቡ ኣስታት 95 ዝቆጽሮም ሰገርቲ ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካባኣቶም 60 ሰባት እኳ እንተ ደሓኑ፡ ኣስታት 35 ዝኮኑ ሰገርቲ ግን ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ግዳያት ከይኰኑ ውን ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉን”ዩ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቐመጦ ጽሑፉ ዝገልጽ።
ሰብመዚ ሂወት ኣድሕን ጥልያን ዛጊት 20 ሬሳታት ከም ዝረኸቡን፡ ካብ 12 ክሳብ 17 ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ምድላይ ከም ዝነበሩን UNHCR ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ክብሉ 675 ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ”ዩ ዝንገር።
ወሃቢ-ቓል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ኡንጋሮ ብወገኑ፡ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ ዓሚቝ ጭንቀት ፈጢሩ ምህላዉን፡ ዩኤንኤችሲኣር ንዝደሓኑ ይሕግዞም ምህላዉ ኣብ ውልቃዊ ናይ x ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ዜጋታት ኣየነይቲ ሃገር ምዃኖም ግን ዛጊት ዝወጸ ሓበሬታ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ 2025 ጥራሕ፡ 30,060 ዝቁጽሮም ስደተኛታት ብጉዕዞ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከም ዝኣተዉን፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 16% ወሰኽ ከም ዘርኣየ UNHCR ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM)፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ናይ ጀላቡ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ መንገዲ ኰይኑ ምህላዉን፡ ልዕሊ 25,260 ስደተኛታት ውን ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም ክዀኑ ዝኽእሉ”ዩ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝነቕላ ንኣሽቱ ጀላቡ ዝበዝሕ ቁጽሪ ሞት ከምዘመዝግባ”ዩ ዝንገር።