
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ መራሒ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ኣል ብሩሃን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዝርጋሕ ደው ከብል ኣጠንቂቓ።
ኢማራት ዓረብ ነዚ ዝበለት ኣብቲ ብመንገዲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ ኮይኑ፡ “ህዝቢ ሱዳን ሰላም ምርግጋእን ራህዋን ክረክብ ንምነየሉ ብምባል መግለጺኡ ዝጀመረ በዓል ስልጣን ኢማራት፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኢማራት ዓረብ ንምንዋር ዝግበሮ ዘሎ ናይ ሓሶት ጠቀነታት ደው ከብል”ዩ መጠንቀቕታ ኣሕሊፉ ዝርከብ።
ኢማራት፡ ካብ ምጅማር እዚ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣትሒዛ፡ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዓት ክፍጸም፡ ሰላማውያን ሰባት ሓደጋ ንኸይወርዶም ህጹጽ ምክልኻል ክግበረሎም ከሙኡ ውን ብኹሎም ወገናት እቲ ግጭት ንዝፍጸሙ ገበናት ተሓታትነትን ክህሉን” ጻውዒት ኣብ ምግባር ምጽንሓ ዝጠቀሰ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢማራት፡ ኮይኑ ግን ብሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዝካየድ ዘሎ ጸለመ ደው ክብል”ዩ ጀነራል ኣልቡርሃን ክጥንቀቕ ከምዘለዎ”ዩ ዘተሓሳስብ።
ሕጂ’ውን ንህዝቢ ሱዳን ዝጠቅም ሰላማዊ ፍታሕ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግጭት ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢና ናንኣምን ዝበለ በዓል ስልጣን ኢማራት፡ እንተኾነ ግን ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ዝኾነ መንግስቲ ፖርት ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ፕሮፖጋንዳን ይዝርግሕ ምህላዉ ብምኽሳስ፡ ተግባራት መንግስቲ ፖርት ሱዳን ግጭት ንምቁራጽን ምርግጋእ ንምፍጣርን ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝጎድእ ምዃኑ ኣብሪሁ ዝርከብ።
ኣብ መግለጺኡ ንመንግስቲ ጀነራል ኣል ብሩሃን ብትሪ ዝነቀፈ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢማራት፡ “ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሶት ወረ ምፍጣርን ምዝርጋሕን ምልክት ስዕረት እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ መንግስቲ ሌተናል ጀነራል ኣልብሩሃን ካብ ሓላፍነት ንምህዳምን ኲናት ንምንዋሕን፡ ኣብ ናይ ሓሶት ወፍሪ ተዋፊሩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኢማራት ብትሪ ከምእተጠንቅቅ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።