
ቤት ምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና፡ ዝተናውሐ ኲናት ንምክያድ ሓሊኖም ዝተኾልፉ ጸላእቲ፡ ክብል ዝገልጾም ሓይልታት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ክውልዑ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
እቲ ቤት ምኽሪ “ዝተኮልፉ ጸላእቲ” ክብል ንዝገለጾም ሓይልታት ብስሞም ክጽውዖም እኳ እንተዘይመረጸ፡ እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ “ኣኽረርቲ” ሓይልታት፡ ሓድነት ህዝብን መንግስትን ንምብታን ይሃልኩ ምህላዎም”ዩ ዝኸስስ።
እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዝገለጸ፡ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ መደበኛ ኣኬቡኡ ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት “ዕዉት” ከምዝነበረን፡ እቲ ዝተረኸበ “ወተሃደራዊ ዓወት” ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተዛዘመ ብምጥቃስ፡ ይኹን እምበር ነዊሕ ኲናት ንምክያድ ሓሊኖም ዝተኾልፉ ሓይልታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሃልኩ ምህላዎም”ዩ ስም ከይጠቀሰ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኳን ዝተሳተፈ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምትህልላኽ ምህላዉን፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ውን ንኲናት ምድላዋት ኣብ ምክያድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ ውን፡ ንኢትዮጵያ ብምድላው ንኲናትን ምዕዳግ ኣጽዋርን ክኸሳ ምስምዑ፡ ስም ዘይጠቀሰ መግለጺ ብልጽግና፡ ቀጥታዊ ዲምፖላሲያዊ ግብረመልሲ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝውክል ከምዝኽእል”ዩ ዝእመን።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ናብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዘቅነዐ ናይ ሚዲያ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ብወገኑ ዝተፈላለዩ ተቃወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምዕጣቅ ኣብ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ዓቢ ሽግር ይፈጥር ምህላዉ”ዩ ዝክሰስ።