
ንሾሞንተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝሓቆፈ ኮከስ ዝተሰምየ ስምረት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ የመን ንዝተጎዱኡ ግዳያት ስደት ዝኮኑ ዜጋታቱ፡ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክዕውጅ ጻውዒት ኣቅሪቡ።
ኮከስ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይዝርጋሕ ኣሎ ዝበሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ቅልውላዋት፡ ሓደገኛ ስደትን ዘስካሕክሕ ህልቂት ዜጋታትን የስዕብ ምህላዉ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዘጋጠመ ሞት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም መርትዖ ድሕሪ ምጥቃሱ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግዳያት ዜጋታቱ መዓልቲ ሓዘን ብምእዋጅ ክዝክሮም ከምዝግባእ”ዩ ሓቲቱ ዝርከብ።
ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት – ኮከስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፡ ግዳይ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዝኾኑ ዘለዉ “መንእሰያት” ንሓቀኛን ነባርን ፍታሕ ደው ክብሉን ኣብ ጎኒ ቃልሲ ክስለፉን ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝክሪ”ቶም ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ክእውጅ”ዩ ጻውዒት ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት – ኮከሰ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ንዘጋጠመ ሞት ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ካብ ቁጽሪ ግዳያት ንላዕሊ ዝያዳ ዘተሓሳስብ መሰረታዊ ጠንቅን ዘተኣማምንን ነባሪ መፍትሒኡን ምኳኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ሕማቕ ዜና ዚ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ተስፋ ክሳብ ዘይረኸቡ ጽባሕ ውን ክቕጽል’ዩ” ብምባል፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ መዋቕራዊ ለውጢ ክግበር”ዩ ጸዊዑ ዝርከብ።
ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ዕድሎም ስለዝሰኣኑ፡ ብሰንኪ ኲናት፡ ቁጠባዊ ጸቕጥን ድኽነትን ዘየድሊ ምርጫታት ክወስዱ ስለዝመረጹ፡ ከምዚ ዓይነት ዜና ክትሰምዕ ኣዝዩ ዘሕዝን ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ጥምረት፡መልክዑ እንዳቀየረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቓይን ህልቂትን ደው ንምባል፡ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ህዝባውን ቃልሲ ክቕየር ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ፡ መንእሰይ ወለዶ ፍትሓውን ነባርን ለውጢ ንምርግጋጽ ናብ ቃልሲ ክጽንበር ጸዊዑ።