
ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ሕቶ ዕቝባኦም ዘቕርቡለንን፡ ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝሰግሩልንን ሃገራት ኣፍሪቃ ኰይና ዝጸንሐት ኬንያ፡ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምቕባልን ምምዝጋብን ኣገልግሎት ጠጠው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።
ኬንያ ኣብቲ ብመንገዲ ኮሚሽነር ጉዳያት ስደተኛታት ምዋሳሩ ምረቼ ተፈሪሙ ዝወጸ ወግዓዊ ደብዳበ፡ ንሓተትቲ ዕቝባ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ስደተኛታት ምምዝጋብ ጠጠው ኣቢልና ከም ዘለና ነፍልጥ ዝበለት ኮይና፡ እቲ ብ31 ሓምለ 2025 ዝወጸአ ወግዓዊ ውሳነ፡ ጠንቂ መንቀሊኡን ስለምንታይ ደው ከምዝበለን ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኮሚሽነር ክፍሊ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ዝነበረ ጆን ቡሩጉ ካብ ሓላፍነቱ ምውራድ ግን ምስቲ ኩነታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝክእል”ዩ ዝእመን።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዝተጠቕሰ ዕለት ጀሚሮም፡ ካብ ዝተፈቕዶም ማእከላት መዕቘቢ ስደተኛታት ወጻኢ ክንቀሳቐሱን፡ ንእንታይነቶምን መንነቶምን ዝገልጽ ሓበሬታ ናብ ካልእ ማእከል ክዘዋውሩን ክልኩል ምኳኑ ዝተደንገገ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ካኩማን ዳደብን ዝተብሃሉ ክልተ ቀንዲ ዓበይቲ መዓስክር ስደተኛታት እኳ እንተለዉ፡ ካብ ሎሚ ንንየው ዝኰነ ይዅን ሕቶ ዕቝባ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ጥራይ ከም ዝካየድ”ዩ እቲ ውሳነ ወሲኹ ዘረድእ።
ዝበዝሑ ዕቝባ ሓተትቲ ስደተኛታት ክልቲአን ሃገራት፡ ናብ 3ይ ሃገር ዝገብርዎ ጉዕዞ ክሳብ ዝቐንዖም፡ ኣብ ከም ናይሮቢ ዛኣመሰለ ዓበይቲ ከተማታት ብናጽነት ይንቀሳቀሱ ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ዩጋንዳ ዝጸንሑ ዜጋታት ናይተን ሃገራት፡ ሕጋዊ ወረቀት ንምርካብ ብብዝሒ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ብምጽንሖም፡ እቲ ኣብዚ ግዜ`ዚ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ኣብ ብዙሓት ስደተኛታት ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ”ዩ ዝንገር።
ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኮኑ ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ኬንያ ክውሕዙ ዘገደደ ክስተት፡ ዩጋንዳ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚራ ሓደሽቲ ስደተኛታት ምቕባል ደው ስለ ዘበለትን፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ህለው ኵነታትን ዝደረኾን ምኳኑ ዝእመን ኮይኑ፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት፡ ብኣማኢት ቁጽሪ ተገፊፎም ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከም ዝተጠረዙ ብምግላጽ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሻቕሎቱ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
ኬንያ ኣቀዲማ ውን ኣብ ካልእ ሃገር ሕቶ ዕቝባ ዝሓተቱ ስደተኛታት፡ ደጊሞም ኣብ ሃገረ ኬንያ ከይምዝገቡ ብትሪ ከም ዝተኸልከለት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሸሓት ስደተኛታት ሻቕሎት ከም ዝፈጠረን፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዘይምርግጋእን፡ ኣሰካፊ ኵነታት ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንብዙሓት ዜጋታት ክስደዱ ይገብር ከም ዘሎ”ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።