
ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናብ ግጭት እንተኣትያ፡ ሰራዊት ሱዳን ወገን ሒዙ ንከይሳተፍ ከምዘተሓሳሰበት ተገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ግጭት እንተጋጢሙ፡ ሰራዊት ሰራዊት ሱዳን ወገናውነት ንከወግድ ጻውዒት ከምዘቅረበን፡ ጸላኢ ኣልፋሽጋ ትሪያንግል ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ኣካታዒ መሬት ከም ወተሃደራዊ ኣፍደገ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎን፡ ኣፍሪቃ ኢንተለጀንስ ስለያ ገሊጹ።
ብ2 ሰነ 2025 ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮነ ጌታቸው ረዳን፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝተላእከ ደብዳበ፡ ብመንገዲ ወኪሉ ኣብ ፖርት ሱዳን ደብዳበ ከምዘረከቡ ዝገለጸ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ፡ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ሉኡካታ ኣቢላ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ግጭት እንተጋጢሙ ኣልቡርሃን ወገናዊ መርገጺ ካብ ምውሳድ ክቁጠብን፡ ሰራዊት ሱዳን ካብ 2020 ኣትሒዙ ምስ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘለዎ ኩሉ ርክብ ከቋርጽን ምሕታቱ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዘቅረበቶ ሕቶ፡ ኣብ እዋን ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ምስ ዝተሰለፈ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኤርትራ ኣብ ናይ ኲናት ወጥሪ ኣትያትሉ ኣብ ዘላ ህሞት ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ “ጉጅለ ህግደፍ ንዞባ ኣልፋሻጋ ከም ስትራተጂካዊ ወተሃደራዊን-ሎጂስቲካዊን ኣፍደገ ተጠቒሙ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክካየድ ይኽእል’ዩ” ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ 2020 ብሓይልታት ሱዳን ዝተታሕዘ ኣካታዒ መሬት ኣልፋሽጋ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ ዓመታት ዘቁጸረ ወጥሪ ፈጢሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብጉዳይ መሬት ኣልፋሽጋ ትከራኸር ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት መሬታዊ ዋንነት ከም ኣርእስቲ ከተልዕሎ ድላይ ከምዘይብላ”ዩ ኣፍሪቃ ኢንተልጀንስ ዘረድእ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ጉኒ”ቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ሒሚቲ ዝምራሕ ዳዕመል ሰሪዕ ተሰሊፉ ምንባሩ ዝንገር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ኣብ ጉኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ ክሳብ ባኣካል ሰራዊት ሊኢኹ ዝተሳተፈን ኣብ ላዕለዋይ ኢድ ብሩሃን ተሩኡ ዝተዋጸአን ብምኳኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግጭት እንተኣቲና፡ ሱዳን ብጎኒ ክትወጋኣና ትክእል”ያ ዝብል ስክፍታ ከምዝስምዖ”ዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።፡