
ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት ሱዳን፡ ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ክእንገድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ሱዳን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ኣሸምጋሊት ኰይና ክትቐርብ ንዝቀረበ ጠለብ ከም ዝነጸጎ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ።
ጥምረት ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን፡ ኢማራት ዓረብ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ዝቅጽል ዘሎ ኲናት ሱዳን፡ ንሓደ ወገን ብምዕጣቅ ክትዋሳእ ምጽንሓ ዝወቅስ ኮይኑ፡ ኣብቲ 29 ሓምለ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዝርርብ፡ ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ ኢማራት፡ እንግሊዝን ቀጠርን ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር እኳ እንተኮነ፡ እቲ ሃገራውያንን እስላማውያንን ውድባት ዝሓቘፈ ጥምረት ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ግን፡ ኢማራት ዓረብ መንጐኛ ክትከውን ሞራልን ብቕዓትን የብላን ክብል”ዩ ነጺግዎ ዝርከብ።
ክሲ ጥምረት ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ምስ መርገጺ መንግስቲ ሱዳን ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ፋይናንሳዊ ደገፍን ዕጥቂን ከም እትህብ ኣብ ምክሳስ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን ንህላወ ኢማራት ብትሪ ዝኩንን ኮይኑ፡ ካብ ኣህጉራውያን ተቘጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝመጽኡ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ውን ተመሳሳሊ ክስታት ናብ ልዕሊ ኢማራት ቀሪቡ ምህላዉ”ዮም ዘረዱኡ።
ኣብ ሱዳን ንእገዳ ዝከታተል ጕጅለ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ቡልጋርያ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተሰጋገረ ሞርታራት ብኸመይ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝኣተወ ይምርምር ከም ዘሎ ሮይተርስ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሕዳር ኣብ ከባቢ ሰሜን ዳርፉር ዝተራእየ ሞርታራት፡ ምስቲ ቡልጋርያ ኣብ 2019 ናብ ኢማራት ዓረብ ዝሰደደቶ ሓደ ዓይነት መለለዪ ቍጽሪ ዝነበሮ ውን ኣብ ግዚኡ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪዲዮታት ንምርግጋጽ ተካኢሉ ምስ ምንባሩ ኢማራት ኣብ ግጭት ንጡፍ ተሳትፎ ከምዝጸንሓ”ዩ ዝእመን።
ኣብ 2019 ተመሳሳሊ መለለዪ ቍጽሪ ዘለዎ 81 ሚሊ ሜተር ዝዓቐኑ ሞርታር ናብ ኢማራት ዓረብ ከም ዝሰደደት ቡልጋርያ ንመርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣነጺራ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ኣጽዋር ዳግማይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ንምልኣኽ ካብ ኢማራት ፍቓድ ከም ዘይተሓተቱ”ዩ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቡልጋርያ ዝገልጽ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ብዙሕ መዳያት ንሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ከም እትሕግዝ ተደጋጋሚ ግዜ ክስታት ይቐርበላ እኳ እንተዀነ፡ ባኣንጻሩ ኢማራት ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእን ግጭት ሱዳን ብህጹጽ ደው ኣብ ምባልን ከም እትሰርሕ ብምግላጽ ተደጋጋሚ ግዜ ክትነጽጎ ምጽንሓ ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም ሱዳን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ብሪጣንያን ቀጠርን ክሳተፋ ትጽቢት ይግበር ኮይኑ፡ ይዅን እምበር ጥምረት ፖለቲካውያን ውድባት ሱዳን፡ ነባሪ ፍታሕ ካብቲ ሓቛፊ ዘተ ሱዳንን ክርከብ ኣለዎ ብምባል፡ ግጭት ውሽጢ ሃገር ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ብምጽዋዕ፡ ንልዑላውነት ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ”ዩ ዝበሎ ኣሉታዊ ምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብምኩናን”ዩ ኢማራት ካብዚ ዘተ ኢዳ ክትስሕብ ዝጽውዕ።
ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ቅደሚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሂወት ልዕሊ 150,000 ሱዳናውያን ከምዝጠፈአን ልዕሊ 10 ሚሊዮን ህዝቢ ውን ከምዝተመዛበለን ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ዝጀመረ ግጭት ሱዳን ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ፡ መጽናዕታዊ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።