
ጽምዶ ብዝብል መጸውዒ ስም ዝተቐልቀለ መሀውተቲ ኣጀንዳ፡ ትግራይ ዓውደ ኲናት ብምግባር ንውልቀመላኪ ኢሰያስ ቅሳነት ካብ ምፍጣር ዝሓለፈ ዕላማ ኣይነበሮን ክብል፡ ጊዚያዊ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ፖለቲካዊ ህውተታ ጽምዶ ክዕወት እንተዳኣኮይኑ፡ ጉጅለ ድሕረት ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት ካብ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝተውሃቦም ቅድመ ኩነት ብዘይቅድመ ኩነት ክቅበሉ ኔርዎም ዝበለ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቀረበ ቅድመ ኩነት፡ ፋኖ ንኸይቅየም ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝኮነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከይግበር: ሃገረ ትግራይ ዝብሃል ኣጀንዳ ከም ኣርእስቲ ፍጹም ከይልዓል: ስምምዕ ኣልጀርስ ከምዘለዎ ክቕበሉ”ሞ: ኣምሳዩኡ ጉጅለ ህግደፍ ንታዕሊም ዝከውን መንእሰይ ትግራይ ክዕልም ዝብል ምንባሩ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ምሉእ ብምሉእ ንረብሓ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ከምዝሰርሕ”ዩ፡ ኣብቲ ኣብ ውልቃዊ ናይ facebook ሕሳቡ ዘቐመጦ መልእኽቱ ዝገልጽ።
ብጻይ ኢሳያስ ንመራሕቲ ወያነ ክብል ብዙሕ ዋጋ ናይ ምኽፋል ድሌት ከምዘይብሉ ንዲፕሎማሰኛታት ግልጺ ጌርሎም”ዩ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ውልቀመላኪ ኢሳያስ ከም ሓደ መንበሩ ዘገድሶን፡ ናይ ዘመናት ልምዲ ዘለዎን ፓለቲከኛ መጠን፡ ዘዋጾኦ ትክክል ወሲኑ”ዩ ወሲዱ ዝብል እምነት ኣለኒ ድሕሪ ምባሉ፡ ብጻይ ኢሳያስ ዘዋጾኦ ኣጸቢቁ ዝፈልጥ ሰብ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ መራሕቲ ህወሓት በቲ ውልቀመላኺ ጠላዕ ይብልዑ ምህላዎም”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ጉጅለ ድሕረት ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዓቢ ቅልውላው ጥሒሉ ምህላዉን፡ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ቅልውላው ንምውጻእ ዝተለሞ ትልሚ ከኣ፡ ናብ ዞባ ደቡብ ምብራቕን ዞባ ደቡብ ትግራይን ወታሃደራዊ ወፍሪ ብምግባር፡ ካልእ ቅልውላው ምፍጣር ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ናይ ክራማት ስራሕ ኣብ ዝስርሐሉን: ኩሉ ዓቕሚ ንሰላም ጥራሕ ክውዕል ኣብ ዝግበአሉን ሰዓት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናት ምእዋጅ ብጉጅለ ድሕረት ከም መፍትሒ ተወሲዱ’ሎ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ እታ ዘላቶም ዓቕሚ እዚኣ’ያ ብምባል”ዩ ኣብ ልዕሊ ውድብ ህወሓት ዘለዎ ቅሬታ ኣቀሚጡ ዝርከብ።