
ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ወጥሪ ኣብ ዝጸንሐ ዞባ ደቡብ ትግራይ ለውጢ ኣመሓደርቲ ይግበር ከምዘሎን፡ ነቲ ለውጢ ዝመርሑን ዘተግብሩን ኣካላት ጸጥታ ውን ናብቲ ዞባ ከምዝተላኣኹን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ።
ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ ንግሆ ኣብ መራከቢ ብዙሓት ትግራይ ቀሪቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኮይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ምምሕዳር ሰላማዊ ብዝዀነ መንገዲ ከምዝተካየደ ወላ”ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ግን ከቢድ ቑጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ምምሕዳርን መሪሕነትን፡ ብኣቶ ኣስመላሽ ረዳ፡ ሓላፊ ጸጥታ ንጉሰ ኣበጀ (ወዲ ራያ )፡ ኣቶ ካልኣዩ ግደይን ወይዘሮ ኣለምን ተመሪሑ ክካየድ ሓላፍነት ከምዝተዋህቦም፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣቀዲሙ”ኳ እንተገለጸ፡ ገለ ካብቶም ነዚ ለውጢ ንምግባር ሓላፍነት ከምዝተወሃቦም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ እቲ ዞባ ግን፡ እቲ ጉዳይ ከምዝይፈልጡዎን ዝዀነ ተሳትፎ ከምዘይብሎምን ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከልኸቢታት ኣቢሎም ዝገለጹ ኮይኖም፡ እቲ ኣብ ማዕከን ሓበሬታ ፌስቡክ ዝተጠቀዐ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ውን፡ ባኣንጻር እቲ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝገለጾ፡ ንዝጸንሐ ነባር መሪሕነት ዞባ ደቡብ ከምዝድግፉን፡ ነቲ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ከምዝቃወሙን”ዮም ዝገልጹ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከምዝኾነ ዝኣምን ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ዝተኻየደ ማህተም ናይ ምሕዳግ ስጕምቲ ከምዘይቅበል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንሓይሊ ጸጥታን ህዝብ እቲ ዞባን ኣብ ምትሕብባር ከምዝርከብ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ንዓይ ዝተክአ ኣመሓዳሪ የለን፡ ወላ”ኳ ካብ ቤት ጽሕፈተይ ወጽየ እንተሃለኩ፡ ኣብቲ ዞባ ኰይነ ምስ መንእሰያት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ናይ ጸጥታ ሓይልታትን ጠቕላላ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይን ብምኳን፡ ነቲ ዞባ ኣብ ምትሕብባር እየ ዝርከብ ዝበለ ኣቶ ሃይሉ ኪሮስ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝግበር ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ቀይሕ መስመር ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ወተሃደር ስለ ዘእተኻ ጥራብ ኣመሓዲርካ ኮንካ ማለት ኣይኮነን ምባሉን፡ ክሳብ መወዳእታ ክቃለሶ ከምዝኮነ ምግላጹን፡ እቲ ኩነታት ናበይ ከምርሕ ይክእል ዝብል ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ቢቢሲ ዘረድእ።
“ካብ ኮር ንላዕሊ” ብዝብል ልምጻዊ ኣጸዋውዓ፡ ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብዝወሰንዎ መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ውሳነ፡ ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ክሳብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ መቐለ ንዝተገብረ ለውጢ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተደፊኡ ካብ ትግራይ ምውጹኡ ዝዝከር ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈዴራል ምትዕርራይ መሪሕነት ዘካየደ ብዝገለጸ ክንፊ ህወሓት ንዝቐረበሉ ሽመት ድሕሪ ምጽዳቁ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኰይኑ ስልጣን ከምዝሓዘ ዝዝከር”ዩ።
ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ካብ ዝሽየም ንንየው፡ ልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ዝርከብ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ግድን ክገብሮ ዘለዎ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ ዝተወስደ ምምሕዳር ናይ ምፍራስ ስጉምቲ፡ ዕግርግር ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዘይኰነን ሰለማዊ ምስግጋር ከምዝኮነን ህዝቢ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ጀነራል ታደሰ ኣስዒቡ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ለውጢ መሪሕነት ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ካብ ዝስዕብ ሓደጋ ንምጥንቃቕን፡ ናይ ትግራይ ጸገም ንምፍታሕን ብምኳኑ ህዝቢ ክርበሽ ከምዘይብሉ”ኳ እንተገለጸ፡ ህዝብን ኣመሓደርቲ እቲ ዞባን ግን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ዝተወስደ ስጉምቲ ብምጥቃስ፡ ተቃውሞኦም ኣብ ምስማዕ”ዮም ዝርከቡ።
መንግስቲ ፈደራል ነዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኮነ ይኹን ወግዓዊ መግለጺ የለን።