
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ናብ መራሕቲ ሕወሓት ኣብ ዘቅረቦ ምሕጽንታን መጠንቀቕታን፡ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምንጻል ድሌት እንተሊዩዋ፡ ንሕጋዊ ኣገባብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኸቲላ ክትከይድ ከምእትክእል ምግላጹ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ዝገለጸ፡ ንመራሕቲ ህወሓት ኣርእስቲ ጌሩ ኣብ ዘቅረቦ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኮይኑ፡
መራሕቲ ህወሓት ዝቀደመ ጌጋ ከይደግሙን መከራ ከይወርዶምን ብምጥምቃቅ፡ ብመሰረት ውዕል፡ፕሪቶርያ ሕቡእ መዳፍዕን ታንክታቶምን ከረክቡ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ድሌት ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምፍላይ እንተኮይኑ፡ ብዘይዝኮነ ይኩን ኲናት ብሕገመንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ክፍጸም ከምዝክእል ምግላጹ፡ ኣብታ ሃገር ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
“ግደፉ ኲናት ኣየድልን ኢልናኩም፡ ንስካትኩም ግን ንሰሜን እዝ ኣጥቂዕኩም፡ ድሕሪኡ ሽዑ መከራ ወሪዱ፡ ድሕሪ”ቲ ዘጋጠመ ኲናት ውን “ግደፉና” ኢልና ንትግራይ ገዲፍናልኩምም ወጺና፡ ንስካትኩም ግን ስዒብኩምና፡ ሽዑ ውን መከራ ወሪድኩም፡ ካብ ሰሜን ሸዋ ናብ ትግራይ ምስ ተመለስኩም ውን፡ ይኣክል ሕጂ ናብ ዘተ ሰላም ንእቶ ኢልናኩም፡ ንስካትኩም ግን ኣቢኹም፡ 12 ክፍለሰራዊት ኣሰልጢንኩም እንደገና ሳልሳይ ጌጋ ፈጺምኩም” እንዳበለ ንዝነበረ ኩነታት ዝጠቀሰ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት መዳፍዕን ታንክን ዝዓጠቐ ክልል ስለዘይብላ፡ ሒዝኩም ዘለኹም ታንክታት፡ መዳፍዕን ጸረ ነፈርትን ኣረክቡ ብምባል”ዩ ንመራሕቲ ህወሓት ከጠንቅቕ ተሰሚዑ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዜና፡ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገር ክካየድ ከምዝኮነ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ሻብዓይ ዙርያ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገር ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ወይዘሮ ሜላተወርቅ ሃይሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝገለጸት ኮይና፡ ትግራይ ኣካል ናይቲ ዝካየድ 7ይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ምኳና”ያ ገሊጻ ትርገብ።
ኣፈ ጉባኤ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መስርሕ ካብ ዝጸንሑ ኣዋጃት፡ ኣብ 26 ድንጋገታት ምምሕያሽ ከምዝገበረን፡ ኣብ ምትግባር 7ይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ምርግጋጽን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ንምዕባይ ዝተገብረ ጻዕሪ ውን ዘተስፉ ምዕባለታት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ግዚኡን ሰዓቱን ክካየድ ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝተወሰነ ኣዋርሕ፡ ንውድብ ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ካብ ፖለቲካውያን ውድባት እታ ሃገር ከምዝሓኸኾን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስራዝ ኣፍልጦ ህወሓትን፡ ህሉው ኩነታት ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ምቹእ ከምዘይኮነ”ዩ ዝንገር።