
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ዓመታዊ ሓንሳብ ንዘካይዶ ናይ ቃለመሕተት መደብ ንምክያድ፡ ብቀዳም 19 ሓምለ ኣብ መስኮት ቴለቪዥን ቀሪቡ ንህሉው ዘቤታዊ ዞባውን ዓለማዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ቃለምሕተት ከምዘካይድ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ ሃገርና እንታይ ኮን ይብል ይከውን ንዝብል፡ ተስፋ ገለ ብዓይኒ ዕሙተይ ዝድግፉ ዜጋታት ብዝቀትል መንገዲ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ኤርትራ ክዛረብ ግዜ ከምዘይብሉን፡ ነቲ ጽባሕ ሰንበት ንቀጽሎ ዝብል ሕቶ ጋዜጠኛታት ውን ኣይጥዕመንን”ዩ ኢሉ ብምምላሱ፡ ክሳብ ሕጂ ንውልቀመላኺ ኢሰያስ ክቀብጽዎ ኣብ ዘይከኣሉ ገለ የዋሃን ደገፍቲ፡ ከቢድ ነድርን ቁጥዐን ፈጢሩ ይርከብ።
እቲ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ቁጠዐ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ብዓለማዊ ኩነታት ጀሚሩ ንፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባናን ዝድህስስ ሰፊሕ ናይ ክልተ ሰዓታት ቃለመሕተት ኣቅሪቡ ክነሱ፡ ብዛዕባ ዜበታዊ ጉዳይ ክዛረብ ስለምንታይ ግዜ ሲኢኑ ዝብል ኮይኑ፡ ኣሽካዕላልን ላግጽን ናይቲ ውልቀመላኺ ኣዚዩ ዘሕመሞም ብርክት ዝበሉ ብዓይኒ ዕሙተይ ክድግፍዎ ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ኣብ ሶሻል ሚዲያ ምስ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ይጻረፉን ይራገሙን ምህላዎም ድሮ ክሉ ዝተዓዘቦ ሓቂ”ዩ።
ገለ ብርክት ዝበሉ ተስፎኦም ዝተጸንቀቀ ደገፍቲ ውልቀመላኺ፡ ካብ ሕጂ ንንየው ፕረዚደንት ዝብል ስም ክህብዎ ከምዘይኮኑ፡ ኣብ ልዕሊ ብርጌድ ንሓመዱ ዝነበሮም ተቓውሞ ከምዘብቅዐ፡ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ዝካየድ ጥርናፈ ክገብሩ ከምዘይኮኑ፡ ኣብ ፌስቲቫላት ጉጅለ ህግደፍ ብዘይምስታፍ ተቓውሞኦም ከስምዑ ምኳኖምን ነቲ ጉጅለ ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ውን ደው ኣብ ምባሉ ክሰርሑ ምኳኖምን ክገልጹ ዝተሰምዑ ኮይኖም፡ ስልጣም ሃገር ገቢቱ ዝርከብ ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ብሕጫጨን ብኣሽካዕላል ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግዜ የብለይን ዝበሎ ቃላት፡ ንብዙሓት ብዓይኒ ዕሙተይ ኣብ ምድጋፍ ዝጸንሑ ዜጋታት ክልተ ግዜ ክሓስቡ ከምዝገበሮምን፡ ባኣንጻሩ ንደምመ ተቓውሞ ዓቢ ዓወት ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ዓመት መጸ ዝካየድ ትርጉም ኣልቦ ናይ ህውተታ ቃለመሕተት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ከሎ ገና ተቀባልነት ምሳኣኑን፡ ኣብቶም ዓይኒ ዘንቅሑ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ውን እንተኮነ ዝጥቀስ ህንጡይነት ከምዘይብሉን ኣብ ናይ ቀዳም ዜናዊ ትሕስቶና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ውልቀመላኺ ኢሰያስ በቲ ተስፋ ዘይህብ ቃላቱ ኤርትራ ንዝቅጽል 3 ዓመታት ውን ዝጥቀስ ቁጠባዊ ለውጢ ከተመዝግብ ከምዘይኮነትን ንህሉው ኩነታት ሃገር ዝገልጽ ቃላት ከምዘይብሉን ምጥቃሱ፡ ኣብ ብዙሓት ነድርን ቁጥዐን ብዓቢኡ ከኣ ኣብቶም ዘይቀበጽዎ ደገፍቲ ምልኪ ከቢድ ናይ ተስፋ ምቁራጽ ስምዒት ፈጢሩ ይርከብ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ክሳብ ቅድሚ ዝተወሰኑ ገለ ዓመታት ኣብ ከም በዓል ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ዛኣመሰሉ ውሱናት ወግዓዊ ኣጋጣሚታት ተረኪቡ ዘስምዖ መደረን፡ ዓመታዊ ሓንሳብ ዝገብሮ ቃለ መሕተትን፡ ኣብቲ ዘይተበትከት ንእሽቶ ተስፋ ዝነበረቶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ እንታይ ኮን ይብል ዝብል ህንጥዩነት ይፈጥር ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብ 2018 ንንየው ኣብ ዘሎ ግዚያት ግን፡ ቃላት እቲ ውልቀመላኺ ካብ ወድዓዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምህዳምን ንምክዋልን ኣብ ሸንኮለል ዝሕባእን ካብ ዘቤታዊ ጉዳይ ኣዚዩ ዘርሓቀን ብምኳኑ፡ እዚ ሎሚ ምሸት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ቃለመሕትት፡ ገሎ ገና ኣቃልቦ ምሳኣኑ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ንዘሎ ስምዒታት ተዓዚብካ ክትርዳእ ዝገብር”ዩ።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ 90ታት ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን፡ ግዚያዊ ፕረዚደንት ሃገርን ብምኳን ካብ ህዝቢ ተመሪጹ ንዝቐረበሉ ሰፋሕትን ዓበይቲን ሕቶታት፡ ኣብ ክፉት ዘተ መልሲ ክህብ ይፍትን ምንባሩ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ህንጸት ሃገር ዓቢ ተስፋ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ውልቀመላኺ ስልጣን ሃገር ብሓይሊ ገቢቱ ናብ ፍጹም ምልካዊ ምሕደራ ካብ ዛኣቱ ንንየው ግን፡ ኩሎም መደረታቱ ተስፋ ዘይህቡን፡ ካብ ሓቅታት ንምህዳም ኣብ ዓለምለካዊ ጉዳያት ዘተኩሩን ብምኳኖምን ህዝቢ ተስፉኡ ክጽንቀቅ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት እቲ ውልቀመላኺ ተሰማዕነቱ ወዲቁ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ቃላት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ እቲ እንኮ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገልጽ ወግዓዊ መግለጺ እንዳኮነ ብምምጹኡ፡ ክንዮ ዜጋታት ኤርትራ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካላት፡ ፖለቲከኛታት ጐረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ማዕረኡ ኣቓልቦ ሂቦም ክከታተልዎ ምጽንሖም ዘይከሓድ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ቃላት እቲ ውልቀመላኺ ኣዚዮም ኣሰልቸውቲ ዓመታዊ ዝደጋገሙ ተስፋ ዘይብሎም ብምኳኖም፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ቃለመሕተት እቲ ውልቀመላኺ ንምስማዕ ዝብህግ ዜጋ ከምዘየለ”ዩ ዝእመን።
ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ወጥሪ ሃዋሁ ኣትዩ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተፋንኖ ዘሎ ጉዳይን ምስ ትግራይ ዝክየድ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካን ኣመልኪቱ ንጹር መግለጺ ክህብ ዝጽበዩ ወገናት እኳ እንተለዉ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ግን፡ ኩሉ ዝከዶ ኣካይዳ ካብ ወግዓውነት ዝረሓቀን ብውሽጢ ውጥሺ ዝሰርሖን ብምኳኑ ግን፡ ልዕሊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ብጉዳይ ግጭት እስራኤልን ኢራን፡ ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ፡ ኲናት ሩስያን ዩክሬይን፡ ዓለምለካዊ ጽልዋ ኣመሪካን ቻይናን ጥራሕ ክዛረብ ከምዝኮነ ብምእማን፡ ህዝቢ ትጽቢቱ ፍጹም ከምዝሃጠመ ገሊጽናዮ ምንባርና ኣይርሳዕን።