
ኣብ ቬትናም ብሰንኪ ዝተከስተ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ፡ሓንቲ ናይ በጻሕቲ ጃልባ ብምግልባጣ ብውሕዱ 37 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ሓያሎ ድማ ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኡ ምህላዉን ቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ህቡብ መዕረፊ በጻሕቲ ሃ ሎንግ ቤይ ዘጋጠመ ምኳኑ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ካብ ርእሰ ከተማ ሃኖይ ንምዝንጋዕ ዝመጹ ቬትናማውያን ስድራቤታት ምንባሮም”ዩ ዝገልጽ።
ዝሃርም ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ምድላይ ከቢድ ዕንቅፋት ኮይኑ ምጽንሑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ 11 ሰባት ካብቲ ቃላይ ከም ዝተስሓቡን እቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ስራሕ ውን ይቅጽል ምህላዉን”ዮም፡ ሰብ ሞያ ሂወት ኣድሕን ዝገልጹ።
እታ ዋንደር ሲዝ ዝተባህለት ጃልባ 53 ሰባት ጽዒና ከም ዝነበረትን፡ ድሕሪ”ቲ ዘጋጠማ ሃንደበታዊ ህቦብላ ከም ዝተገልበጠትን፡ ካብ ሓለዋ ዶባትን ሓይሊ ባሕርን ቬትናም ዝወጸ መግለጺ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንማዕከን ዜና AFP ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትማሊ ቀዳም ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት ክልተ ሰማይ እቲ ከም ዝጸልመተን፡ “ኣጻብዕቲ እግሪ ዝውሕጥ በረድ ምስ ብርቱዕ ዝናብ፡ ነጐዳን በርቂን” ክዘንብ ከምዝጀመረን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ኩነታት ኣዚዩ ዘሕዝን ምንባሩ”ዩ ዝግለጽ።
ሓደ ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ ካብታ ዝተገልበጠት መርከብ ብሂወት ከም ዝደሓነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገለጻ ኮይነን፡ እቲ ወዲ 10 ዓመት ቆልዓ ሓንቢሱ ንምውጻእ እንዳተጋደለ እንከሎ፡ ብጃልባ ተጎቲቱ ከምዝደሓነ”ዩ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቬትናም”ኔት ዝገልጽ።
ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኸቡ ሬሳታት፡ እንተወሓደ እቶም ሸሞንተ ህጻናት ምዃኖም ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ደሃዮም ዘጥፍኡ ንምርካብ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ክሳብ ለይቲ ይቅጽል ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቬትናም ፋም ሚን ቺንህ፡ ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ንስድራቤት ግዳያት ናይ “ጽንዓት ይሃብኩም” መልእክቲ ዘመሓላለፈ ኮይኑ፡
ሰብመዚ ህይወት ኣድሕን ቬትናም ጠንቂ እቲ ሓደጋ ክምርምሩ ምኳኖም ውን”ዩ ብመንገዲ መንግስታዊ መግለጺ ኣቢሉ ዝገልጽ።
ኣብ ኣውራጃ ኳንግ ኒን ዝርከብ ሃ ሎንግ ቤይ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ንኣሽቱ ደሴታት ዝተኸብ መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ፡ ዓመታዊ 4 ሚልዮን በጻሕቲ ዝስሕብ፡ ሓደ ዓለማዊ ውርሻታት ዩኔስኮ ምኳኑ”ዩ ዝንገረሉ።