
ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 14 ሓምለ ንጉዳይ ግድብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ ንህንጸት እቲ ግድብ ገንዘባዊ ድጋፍ ከም ዝገበረት ብምጥቃስ፡ ህንጸት ናይቲ ግድብ ናብ ሩባ ናይል ንዝፈስስ ማይ ዝዓግት”ዩ ክብል፡ ኣዘራራቢ መግለጺታት ክህብ ተሰሚዑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፈለግ ኒል ንህይወት ግብጻውያን ወሳኒ እዩ ዝብል ምሕጽንታ ብምቕራብ፡ ኣብ ፈለግ ኒል ወሓዚ ማይ ክህሉ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና ብምባሉ”ዩ ካብ መራሒ ግብጺ ሞጎስ ረኪቡ ዝርከብ።
ንመግለጺ ዶናልድ ትራምፕ ብስም ህዝቢ ግብጺ ክብ ዝበለ መጐስ ዝሃበ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ቃላቱ፡ ሪኢቶን ጻውዒትን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ትራምፕ ግጭታት ንምፍታሕን ወግእ ደው ንምባልን እትህቦ ዓቢ ቦታ ዘርኢ እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ግብጺ ዓቢ ክብሪ ከም እትህቦ”ዩ፡ ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣልሲሲ ኣብ’ቲ ኣብ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ፡ “ፕረዚደንት ትራምፕ ንህዳሰ ግድብ ናይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ረብሓ ኵሎም ወገናት ዝሕሉ ፍትሓዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘለዎ ድሌት ምግላጹን፡ ከሙኡ ውን ንፈለግ ኒል ምንጪ ህይወት ግብጻውያን ምኳኑ ኣፍልጦ ምሃቡን፡ ግብጺ ክብ ዝበለ ምስጋና ኣለዋ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ግብጺ ነቲ ንዅለን ሃገራት እዚ ዞባን ዓለምን፡ ፍትሓዊ ሰላም ጸጥታን ምርግጋእን ንምምጻእ ንዝብል ራኢ ትራምፕ ንምዕዋት ውን፡ ኣብ ጐድኒ እቲ መራሒ ደው ከም እትብል ምኳኑ”ዩ ኣረጋጊጹ ዝርከብ።
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ ምስ ግብጺ ዝገብሮ ዘሎ ውግንናን ካልእ ፋይናንሳዊ ደገፍን፡ ምስ ፖለቲካ ወሽመጥ ቓዛ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ብዙሓት ተንተንቲ ግምታቶም ዝህቡ ኮይኖም፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ግብጺ ንህዳሰ ግድብ ክትፍንጅሮ ትኽእል እያ፡ ዝብል ኣዘራራቢ መግለጺ ዝሃበ ትራምፕ፡ ሕጂ ውን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዎ ወገናውነት ብንጹር ዘንጸባርቕ መግለጺታት ሂቡ ብምባል”ዮም ንትራምፕ ክኸሱ ዝስምዑ።
ትራምፕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እውን እንተኾነ፡ ኣመሪካ ንህንጸት ህዳሴ ግድብ ናይ ኢትዮጵያ ትምውሎ ከም ዘላን፡ ንዋሕዚ ፈለግ ኒል እውን ከም ዝቀነሶን ዝገልጽ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ብኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ግድብ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህዝቢ ብዝተዋጽአ ገንዘብን ውሽጣዊ ሃብቲ እታ ሃገርን ዝተሃንጸ ምዃኑ ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ምግላጽ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ ግን፡ ንመግለጺ ዶናድል ትራምፕ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ዝኮነ ይኹን ግብረ መልሲ የለን።