
ፕረዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣል-ሻራ፡ እስራኤል ምርጫና ናብ ዘይኮነ ኩናት ተጎቲትና ክናኣቱ ትደፋኣና ኣላ ክብል ከሲሱ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፡ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሶርያ ቦምባ ከምዝደብደባ ድሕሪ ምግላጹ ኮይኑ፡ ድሌት ሶርያ ዞባዊ ሰላም ወላ ዳኣ ይኩን እምበር፡ እስራኤል ናብ ምሉእ ኲናት ንክታኣቱ ትደፋኣና ኣላ ክብል”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መንግስታዊ መደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መልእኽቲ፡ ንሕና ሶርያውያን መን ናብ ኲናት ይደፍኣና ከምዘሎን፡ መን ክፈላልየና ይጽዕር ከምዘሎን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና ዝበለ ኮይኑ፡ ህዝቢ ሶርያ ነቲ ኩነታት ክነቅሓሉን ብጥንቃቐ ክዕዘቦን ከምዝግባእ ምሕጽንቱኡ ድሕሪ ምቅራብ፡ ሃገርና ንምብታንን ጥፍኣት ንምዝራእን ናብ ዝዓለመ ኲናት ክንኣቱ ዝብህጉ ዋላ”ኳ እንተሃለዉ፡ ህዝብና ግን ኣይፈቅደሎምን”ዩ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ብሰንበት 13 ሓምለ፡ ውሑድ ካብ ዝቁጽሮም ዓሌት ድሩዛውያን ሓደ ነጋዳይ ድሕሪ ምጭዋዩ፡ ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ኣብ መንጎ ዓሌት ድሩዛውያንን ዕጡቓት ምልሻታት ሱኒ በደዊንን ንመዓልታት ዝቀጸለ ሓያል ግጭት ምውልዑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሰሉስ 15 ሓምለ እስራኤል ወተሃደራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ናብቲ ግጭት ድሕሪ ምሕዋሳ፡ ኣብ ከተማ ስወይዳ ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ዑጡቃት ሓይልታት፡ ንዓሌት ድሩዛውያን ንኸየጥቅዑ ትጽዕር ከም ዘላ ካብ ትገንጽ ንንየው ጥራሕ፡ ኣብ ሱወይዳ ብውሕዱ 300 ሰባት ከም ዝተቐትሉ”ዩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ዝሕብር።፡