
ንልምዓትን ሃገራዊ ዕብየትን ተበጊሱ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት እንዳበረኸ ንዝመጸ ህዝባዊ ነድርን ቁጥዐን ንምዕጋስ፡ ዘይትግበር መብጽዓታት ካኣቱን ህዝቢ ዘተስፉ ናይ ልምዓት ሓሶታት ክስንዕን ምጽንሑ ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ሃገር፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ዝኮነ ይኹን ልምዓታዊ ምንቅስቃስ ከምዘየለን፡ ኩሉ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ክንዛሕ ዝጸንሐ ሓሶታት ውን ኣብ ማይ ከምዛኣተወን ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ኣብ 2014 ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር”ዩ ብዝብል ገዚፍ ሓሶት ኣብ ጫፍ ንዝበጽሐ ዕምሪ ስልጣኑ ክሕሉ ዝፈተነ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ብመንገዲ ካድራቱን ናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱን ኣቢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ፈንጠዝያ ዘእቱ ምቁር ሓሶታት ብምስናዕ፡ ብዘጭበጥ ተስፋታት ህዝቢ ከደናግር ምጽንሑ ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ብዘይካ”ቲ ንኲናት ዝዳሎ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ሃገር ምሉእ ካብ ዝኮነ ይኹን ልምዓታዊ መደባት ቦኪሩ ኣብ ፍጹም ዕንወት ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ገለ ካብቲ ግዙፍ ሓሶታት ጉጅለ ህግደፍ ዝተወሰነ ንምጥቃስ፡ ኣብ ለካቲት 2023 ካብ ወደብ ተበጊሱ ንከተማ ባጽዕ ምስ ከረን ዘራኽብ ሓድሽ ቀለቤታዊ ጽርግያ ቤት ገርግሽ መስርሕ ህንጸቱ ተበጊሱ ኣብ ቀረባ ግዜ ጥዑም ብስራት ክትሰምዑ ኢኩም፡ ኣብ ለካቲት 2023 ብተመሳሳሊ ኣብ ኤርትራ ናይ ሞባይል ባንኪ ሲስተም ክተኣታቶ ምኳኑን፡ ህዝቢ ብቀሊል ኣገባብ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ኮይኑ ገንዘብ ክቅበልን ከዘዋውርን ዘክእል ቴክኖሎጂ ንምዝርጋሕ ኣብ ዘተስፉ ደረጃ ተበጺሑ ምህላዉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱ ኣቢሉ ንህዝቢ ከታልል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ዘሎ ግዚያት ጥራሕ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ሓሊፉ ክንሱ፡ ዝተሰርሐ ጽርግያ ይኹን ዝተተክለ ናይ ሞባይል ባንክ ሲስተም ከምዘየለን ባኣንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ ሓሙሽተ ሽሕ ገንዘብ ክቅበል ኣብ ባንክታት ብሪጋ ተተኪሉ ይውዕል ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መወዳእታ ግንቦት ናይ 2024 50 ሽሕ ተዓዘብቲ ዝሕዝ ናይ ኩዕሶ እግሪ ስታድዩም ብሓደ “Shesa” ዝተባህለ ኢጣልያዊ ትካል ኣብ ኤርትራ ንምህናጽ ውን፡ መስርሕ ፕላን ተካይዱ ምስሊ ናይቲ ስታዲዩም ውን ወግዓዊ ኮይኑ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ውን ብናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራት ህግደፍ ተዘርጊሑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ኣብ 20 ዓመታት ንሓንቲ ንእሽተይ ቺቸሮ ንዝተባህለ ስታዲዩም ሃኒጹ ክዛዝም ዘይከኣለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንህንጻ ስታዲኡም ሓሲቡ ዝጀመሮ መስርህ ህንጸት ይኩን ናይ ፕሮጀክት ከምዘየለ”ዮም ዝገልጹ።
ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣጥቅዓይ ኒካስትል ኣሌክሳንደር ኢሳቅ፡ 50 ሽሕ ህዝቢ ዝሕዝ ስታዲዩም ኣብ ኤርትራ ክሃንጽ”ዩ፡ ሓደሽቲ ጀነረተራት ኣትየን ህዝቢ 24 ሰዓት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክረክብ”ዩ፡ ማፕ መስርሕ ህንጸት ሃገር ዝሳተፉ 30 ሽሕ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ናብ ሃገር ካኣትዉ”ዮም፡ 50ሽሕ ኣባይቲ ንምህናጽ ዘገልግል መርከብ ምሉእ ሓጺነመጺን ናብ ሃገር ኣትዩ፡ መስመር ኢንተርነት ይዝርጋሕ ኣሎ፡ ናይ ዳታ ኣገልግሎት ውን ንህዝቢ ክዕደል”ዩ ዝብልን ካልእን ዜናታት ገለ ካብቲ ብጉጅለ ህግደፍ ክስማዕ ዝጸንሐ ህዝቢ ንምትላል ዘገልግል ጠባሪ ሓሶታት ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ንህዝቢ ካብ ዝተገልጸ መደባት ኣብ ባይታ ዝተተግበረ ብዘይምህላውን ኩሉ ሓሶታት እቲ ጉጅለ ኣብ ማይ ምእታዉን ብምዝካር፡ ህግደፍ ጸረ ህዝብን ሃገርን ፋሉል ጉጅለ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።