
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ብቁጽሪ በረራ 171 ቦይንግ ድሪምላይነር 787፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ህንዲ ተበጊሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምብጻሕ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ህንዲ፡ ገና ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ከይርሓቀት ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ብምሕምሻሻ ሂወት 260 ሰባት ምትፉኡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንጠንቂ ምሕምሻሽ እታ ነፋሪት ክምርምሩ ዝጸንሑ ክኢላታት ኣቪየሽን፡ ኣብ ውሽጢ ኮፍ መበሊ ኣብረርቲ ነፋሪት ዝርከብ ነዳዲ ዝቆጻጸር ኣካል ‘ጠፊኡ’ ወይ ‘ካት ኦፍ’ ኮይኑ ብምንባሩ እቲ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ከምዝተከስተ ደምዲሞም።
ምጥፋእ ናይቲ ነዳዲ ዝቆጻጸር ኣካል፡ ሞተር ነፋሪት ነዳዲ ከምዘይዘይረክብ ስለዝገብር፡ ንሓይሊ ኤለትሪክ ናይታ ነፋሪት ምሉእ ንምሉእ ከምዝጠፍኦ ዝሓበሩ እቶም ኪኢላታት፡ ‘ካት ኦፍ’ ነፋሪት ኣብ ባይታ ምስ ዓለበት ጥራሕ ክውላዕ ከምዝነበሮ”ዮም ዝገልጹ።
እታ በቲ ኣስካሕካሒ ሓደጋ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ህንዲ፡ ተሰሪሓ ኣገልግሎት ክትህብ ካብ እትጅምር 12 ዓመታት ጥራይ ኣቍጺራ ምንባራ ዝገልጹ እቶም ኪኢላታት፡ ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ኣብ እዋን ሓደጋ ዝተዘራረብዎን ኣብ ብላክ ቦክስ ተቀዲሑ ዝጸንሐን ድምጺ፡ ቀዳማይ ኣብራሪ ንካላኣዩ ፖይሎት ‘ንምንታይ ካት ኦፍ ገይርካዮ’ ኢሉ ከምዝሓተቶን፡ ኣነ ኣይጠወቅክዎን ኢሉ ይምልሰሉ ምንባሩን”ዮም ዝገልጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተረክበ ናይ ብላክ ቦክስ ድምጺ፡ መን ንመን ይሓቶ ከምዝነበረ ንምርግጋጽ ንጹር ኣይነበረን ዝበሉ እቶም ኪኢላታት፡ ኣብ ምብጋስ እታ ነፋሪት ግን እቲ ቀንዲ ፓይሎት እናተኸታተሎ ተሓጋጋዚኡ’ዩ ከምዘበገሳን፡ ድሕሪ ምዝርራቦም፡ እቲ ተጠዊቑ ዝነበረ ‘ካት ኦፍ’ ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ሞተረ ናይታ ነፋሪት ከኣ ብኣውቶማቲክ ነዳዲ ክረክብ ጀሚሩ ምንባሩን”ዮም ኣብ ጸብጻቦም ዝገልጹ።
ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ፡ ካብ ክልቲኡ ሞተረ እታ ነፋሪት እቲ ሓደ ጥራሕ ብዝግባእ ይሰርሕ ምንባሩን፡ እቲ ካልኣይ ሞተር ግን ሰሪ”ቲ ዝተፈጥረ ጌጋ፡ ዋላ ውን ነዳዲ እንተረኸበ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓይሊ ክረክብ ከምዘይከኣለ”ዮም ኪኢላታት ተመራመርቲ ኣቬሽን ኣብ ውጽኢት መርመሮኦም ዝገልጹ።
ነፋሪት መንገዲ ኣየር ህንዲ ቁጽሪ በረራ 171፡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ ተበጊሳ ናብ ሰማይ ምስ ኣንቃዕረረት፡ ኩሉ ንገራ ጠፊኡ፡ ን40 ካልኢት ብዝነበራ ሓይሊ እናንሳፈፈት ድሕሪ ምሕንባባ፡ ብናህሪ ናብ መንበሪ ገዛውቲ ተነቊታ ሂወት 260 ተጓዓዝቲ ለኪማ ምሕምሻሻ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሓደጋ ኣቭየሽን ህንዲ እቲ ዝኸፈአ ኰይኑ ተመዝጊቡ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ’ቲ ትማሊ ብወግዒ ዝተገልጸን፡ 15 ገጽ ዝሓዘን ጸብጻብ እቶም መርመርቲ፡ እታ ነፋሪት ምስ ተበገሰት ኣብ ውሽጢ 50 ካልኢት ኩሉ ነገራ ከምዝጠፈአን ኣብ ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ሰሪ ዝተፈጥረ ጸገማት እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝተካየደ ውጺኢት መርመራ ብሰብ መዚ ህንዲ እናተመርሐ፡ ክኢላታት ቦይንግ፡ ኪኢላታት መንገዲ ኣየር ህንዲ ከምኡ ከኣ ካብ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝመጽኡ ክኢላታት ዝተሳተፍዎ ኮይኑ ኣብ ሓደ መደምደምታ ምብጽሑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር፡ ብዙሕ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ብምህላዉ፡ ተወሳኺ ዕሙቕ ዝበለ ምርመር ከምዘድሊ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።