
ብሰንኪ ምፍራስ ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ኣምሓራ፡ ሂወት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ መመሊሱ ይብእስ ምህላዉ ኣብ ምግላጽ ዝጸንሑ ምንጭታት ኤሪፒኤም፡ ሕጂ ውን 10 ሓምለ 2025 ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ብሰንኪ ዝተከፍተ ቶክሲ፡ ጉዕዲ ተኽለ ዝተባህለት ኣደ 8 ቖልዑ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ብከቢድ ተሃሪማ ኣብ ጽኑዕ ሓላዋ ምህላዋ ገሊጾም ።
ንዝሓለፈ ከባቢ 4 ዓመታት ብሰንኪ”ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናትን፡ ስዒቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተከስተ ግጭት መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራንን፡ ሂወት ናይቶም ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መመሊሱ ክብእስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ጸጥታዊ ኩነታት ናይቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ብምፍራሱ፡ እቶም ስደተኛታት መንነቶም ብዘይፍለጡ ሸፋቱ መዓልታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም ምህላዉ”ዮም ምንጭታትና ዝሕበሩ።
ተቐማጦ ናይ’ቲ ብግዚያውነት ተመስሪቱ ክነሱ፡ ሓሙሽተ ዓመታት መሊኡ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኮኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ንዝወርዶም ዘሎ ከቢድ ስቃይ ንምግላጽ ሰለማዊ ተቓውሞ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሽግሮም ዝፈትሕ ኣካል ብዘይምህላዉ፡ ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ኩነታት ወዲቆም ምህላዎም”ዮም ዝገልጹ።
ቅድሚ ሳልስቲ ምስ ዘጋጠመ ከቢድ መውጋእቲ ኣደ 8 ቆልዑ ኤርትራዊት ስደተኛ ብምትሕሓዝ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ድምጺ ክኾኖምን ንማሕበረሰብ ክነግረሎምን፡ ኣብ ዝሰደድዎ ናይ ቪዲዮ መልእኽቲ ዝተማሕጸኑ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ኩነታት ከምዝርከቡን ህጹጽ መፍትሒ ይጠልቡ ምህላዎምን ብምግላጽ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ክኾኖም ጸዊዖም።