
ንኤርትራ ናብ ፍጹም ድሕረት መሊሱ፡ ደመና ኲናት ፈጢሩ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍን፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከቢድ ምትፍናን ዝርከብ ውድብ ህወሓትን ኣብ ሓደ ዕለት ሓደሽቲ ወተሃደራት ኣመሪቆም።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ’ቲ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝተካየደ ጽምብል ምምራቅ መበል 37 ዙርያ ሃገራዊ ባርነት ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ከም ዝሓለፈ 36 ዙርታታት ሃገራዊ ባርነት፡ ቃልሲ መሰል ሞራል መኸተ ዝሓዘሉን፡ ብዙሕ ትርጉም ዘይህቡን ቃላት ዝሓወሰ ናይ ኣርባዕተ ደቓይቅይ ቃል ዘስምዐ ኮይኑ፡ ውድብ ህወሓት ኣብ ስታዲዩም 11 ለካቲት ዓድዋ ኣብ ዘካየዶ ጽምብል ምምራቅ መበል 42 ዙር ኮር ሰራዊት ኮማንዶ ግን፡ መንግስቲ ፈደራል ኩሉ ዓይነት ምፍርራሓት የካይድ ምህላዉን፡ ኣብ ትግራይ ዳግማዊ ወራር ንምእዋጅ ይዳሎ ምህላዉን ብመንገዲ ኣብቲ ጽምብል መደረ ዘስምዑ ጀነራላት ገሊጹ።
መንግስቲ ፌደራል ኹሉ ዓይነት ስግኣት ብምቅማጥ ከፈራርሓና፡ ሎሚ ከም ቀደም ኣይኮነን፡ መንግስቲ ፌደራል ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጥቀ”ዩ፡ ትማሊ ዘይነበረና ኣጽዋር ዓጢቅና ኣለና፡ እንዳበለ
ኣብ ትግራይ ዳግማዊ ወራር ንምፍጻም ይዳሎ ኣሎ ዝበሉ እቶም ጀነራላት፡ ህወሓት ልኡላውነት ትግራይ ንምምላስ ድልው ምህላዉን፡ ካብ ዝኾነ ይኩን እዋን ንላዕሊ ዝሓሸ ዓቕሚ ፈጢሩ ምህላዉን ብምግላጽ ክመጾም ንዝክእል እንተታት ድልዋት ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ተገዲዶም ይዳልዉ ምህላዎም”ዮም ዝገልጹ።
ምስ ጉጅለ ህግደፍ ሓድነት ትፈጥሩ ስለዘለኹም ከነጥፍኣኩም ኢና እንዳባሃለና ስቅ ክንብል ኣይንክእልን ኢና ዝበሉ ጀነራላት ህወሓት፡ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብዙሓት መሓዙትን ፈተውትን ፈጢርና ኣለና ክብሉ”ዮም ተሰሚዖም።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ውድብ ህወሓት ሰሙናዊ መልእኽቲ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሰላም ኣብ ልዕሊ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ተወሳኺ ስግኣት ምፍጣር ከቋርጽ ይግባእ ክብል ገሊጹ።
ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠሞ ዘሪኢ ናይ ምጽናት ኲናት፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ከምዘሎን፡ ካብቲ ኲናት ዝደሓነ ህዝቢ ውን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብወረርቲ እንዳተቀትለ፡ ብሕማምን ብጥሜትን ይመውት ኣሎ ዝበለ ውድብ ህወሓት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስተፈረመ’ውን እንተኮነ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዘሪኢ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ደው ከምዘይበለን፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ሕጂ ንመንነቱ ይቕተል፡ ይጭወን ይሳቀን ከምዘለዉ ብምግላጽ”ዩ፡ ብህጹጽ ደው ክብል ጻውዒቱ ዘቅርብ።
ህዝቢ ትግራይ ሕቱኡ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ መልሲ ንኽረክብ፡ ብትዕግስቲ ይቃለስ ከምዘሎ ዝገለጸ ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ስቓይ ህዝቢ ትግራይን ንሰላም ዝኸፈሎ ዋጋን ክንዲ ዝርዳእ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ዙር ወራር ኣሎ እንዳበለ ስጋኣት ይፈጥር ምህላዉ ብምኽሳስ፡ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ካብ ምፍርራሕ ክቑጠብ፡ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘለዎ ግዴታ ክፍጽምን ኣብ ምሕዳስ ትግራይ እጃሙ ከበርክትን ከምዝግባእ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።