
ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ዝኮነ ኣምባሳደር ጸጋኣብ ክበቤው፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃሳት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ቐጥታዊ ኲናት ከምዝኮነ ብምግላጽ ንጉጅለ ህግደፍ ከሲሱ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፍሉይ ዕማም ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንምንዋሕ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ትግራይ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላዉ ከሲሱ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ዶባዊ ጉዳያት ብዝተኣሳሰር ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ዕምሪ ስልጣን ፍሉይ ዕማም ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክናዋሕ ዝጠለባ ሃገራት ኮይና ምቅራባ ውን ዝዝከር”ዩ።
እቲ ኣምባሳደር ነቲ ፍሉይ ዕማም ሪፖርተር ሕቡራት ሃገራት ናብ ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም መርትዖ ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ንዝኮነ ገለ ከባቢታት ትግራይ ተቆጻጺሩ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ተግባራት እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ምንቅስቃሳት ንኢትዮጵያ ቀጥታዊ ናይ ኲናት ስጋኣት ምኳኑ”ዩ ዝጠቅስ።
ቀዋሚ ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ዝኮነ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ብወገኑ፡ ንክስታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ንቤት ምኽሪ ናይቲ ባይቶ መልሲ ዝሃበ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ክሲ ምስ ሕሉፍ ተግባራታን መርገጺኣን ዘይቃዶ”ዩ ብምባል፡ ህግደፍ ንኽስታት ኢትዮጵያ ከምዘይቅበሎ”ዩ ገሊጹ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸበ መሬት ኤርትራ ጥራይ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብቶም፡ ሰራዊት ኤርትራ መሬት ኢትዮጵያ ሒዙ ኣሎ ዝብል ክሲ “ግጭት ንምውላዕ ዝዓለመ ውዲትን፡ “ንዝውላዕ ኲናት ሽፋን ምፍጣርን ዝዓለመ”ዩ ክብል ነጺግዎ ዝርከብ።
ወኪል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕብራት ሃገራት ዝኮነ ኣቶ ሃብቶም ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ብግልጺ ንኤርትራ ኣብ ምፍርራሕ፡ ኣጽዋር ኣብ ምእካብን፡ ዞባዊ ሰላም ዘዳኽም ተግባራት ኣብ ምፍጻምን ምህላዋ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጸገማታ ንምሽፋን ብምባል ጥራሕ፡ ጎንጺ ዝዕድም ተግባራት ኣብ ምክያድ ምህላዋ ቤት ምኽሪ ክርድኦ ይግባእ ብምባል”ዩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቅሬታ ዘቕርብ።