
ኣዴታት ኤርትራ፡ ቅድሚ”ቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወዓዋዕ ዘሎ ናይ ጽምዶ ፖለቲካ፡ ወግዓዊ ሃገራዊ ምንጋር መስዋእቲ ክካየድን ስድራቤታት ሓዘን ክገብራ ክፍቀደለን ይግባእ ብምባል፡ ነቲ ብስም ጽምዶ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ፒለቲካዊ ጸወታ ዘለወን ተቓውሞ ኣብ ምግላጽ ምህላወን ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ካብ ኣስመራ ክሳብ ወሰናስን ዶባት፡ ብሓፈሻ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ክበሃል ብዝከኣል ቁጽሪ፡ ተቓውሞ ኣዴታት ይስማዕ ምህላው ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ኪንዮ”ቲ ሕብእ ኢልካ ዝዕለል ዕላላት፡ ኣብ ኣኬባ ቀበሌን ምምሕዳራትን ከይተረፈ፡ ጽምዶ ንምድማቅ ተባሂሉ ኣብ ዝካየድ ናይ ሕጽበተ ኣእምሮ ኣኬባታት ድሃይ ዘይገበሩ ደቅና ድሃዮም ይነገረና ክብላ ይስምዓ ምህላወን”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ኣዴታት ውሽጢ ዓዲ፡ ሰላም ኮይኑ ንበሃል ኣለና፡ ሰላም እንተተገይሩ ደሃይ ደቅና ይነገረና፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ድፋዓት ዘለዉ ውን ይመለሱና፡ ዝብል ሕቶታት ንካድራት ህግደፍ ክሓታ ይስምዓ ምህላወን ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ብዕድመ ዝደፋኣ ስምዒተን ንምሕባእ ዝተሸገራን ኣዴታት፡ ብከቢድን ዘይድፈርን ሕቲታት ንካድራት ህግደፍ ከዋጥሮኦም ይረኣያ ምህላወን”ዮም ዝውስኹ።
ህግደፍ ከም መቀጸልታ ናይቲ በብመድረኹ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ጽምዶ ተቀበሉ ፕሮፖጋንዳዊ ለመና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውን ብቀበሌን ምምሕዳራት ከባብን ዝተወደበ ኣኬባታት ብምስራዕ፡ ጽምዶን ትርጉምን ንከረድእ ብርክት ዝበሉ ካድራት ኣዋፊሩ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ጉዳይ ምንጋር መስዋእቲ ኣብ ትግራይ ዝወደቑ መንእሰያት ዝቐርብ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶታት ከቢድን ዘይስገርን ብድሆ ኮይንዎም ምህላዉን፡ ኪንዮ ብላዕለዋይ ኣካል መልሲ ክመጻኩም”ዩ ምባል ውን ክምልስዎ ከምዘይከኣሉ”ዮም ዝገልጹ።
ምጭዋይን ምስዋርን ጽምዶ ዘይተቀበሉ ዜጋታት ብዝከፈአ መልክዑ ይቅጽል ምህላዉ፡ ምንጭታትና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ውሽጢ ዓዲ ንዝለኣክዎ ደብዳበ ምርኩስ ብምግባር ገሊጽናልኩም ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ብ alena walta hager ዝፍለጥ ሚዲያ ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ውን፡ መቀጸልታ ናቱ ምኳኑን፡ ዘይተነግረሎም ብዙሓት ዝተጨውዩ ምህላዎም”ዮም ኣብ መልእክቶም ዝገልጹ።