
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ብቁጽሪ 108 ዝኮኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሎኪቶኒያላ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢታት ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን ብሰበስልጣን ዌስት ፖኮት ከምዝተታሕዙን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ተጠርጢሮም ኣብ ምርመራ ከምዘለዉ፡ the standard ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
ምስቶም 108 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን 13 ህጻናትን ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣላሌ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መደበር ፖሊስ ተቀይዶም ኣብ ምርመራ ምህላዎም”ዩ ዘረድእ።
ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ክልተ ኣዋርሕ ድሃይ ዘይጸንሖም ስደተኛታት ከምዘለዉ ውን ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ መራሒ መንገዲ ሲኢኖም ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሑ ከምዘለዉ”ውን እዩ ዝንገር።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምትፍናን ካብ ዛኣቱ ንንየውን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ መንነታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ምጽንሑን፡ እቲ መጥቃዕቲ ጌና ይቅጽል ብምህላዉን፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሓድሽ ስደት ከምርሑ ይግደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዞም ሕጂ ኣብ ቀይዲ ወዲቆም ዘለዉ 108 ኤርትራውያን ውን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ክኾኑ ከምዝክእሉ”ዩ ዝንገር።