
ኣቶ ጌታቸው ረዳን ብጾቱን ዝመርሕዎ ሓድሽ ውድብ ዴሞክራሳዊ ስምረት ትግራይ፡ ውድብ ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር ትግራይ ንምሕማስን ኢትዮጵያ ንምውጋእን ይሰርሕ ኣሎ ብምባል፡ መንግስቲ ፈደራል ብትዕግስቲ ክዕዘቦ ከምዘይብሉ ገሊጹ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውድብ ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ምዝገባ ፖለቲካውያን ውድባት ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ውድብ ህወሓት፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እምበር ትዕግስቲ ክመርጽ ግቡእ ኣይኮነን ዝበለ ኮይኑ፡ “ዘይሕጋዊ ጉጅለ” ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምትሕብባር፡ ትግራይ ንምሕማስን ኢትዮጵያ ንምውጋእን ይሰርሕ ምህላዉ”ዩ ዝከስስ።
ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ኣስዒቡ፡ ብሰንኪ”ቲ “ድሑር ጉጅለ” ክብል ዝገለጾ ውድብ ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኩናት ከይምለስ መንግስቲ ፈደራል ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከምዝግባእ ዝጸወዐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እምበር ትዕግስቲ ክመርጽ ሞጎታዊ ኣይኮነን ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
“ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ትግራይ ብዝፍጸሙ ገበናት እንኮ ተሓታቲ፡ ህወሓትን መሰልቱን”ዮም ዝበለ ውድብ ስምረት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲን መንእሰያትን፡ ህወሓት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን ነፍሲ ወከፍ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስካሕክሕ መከራን ቃንዛን ከም ዘስዕባ ተረዲኦም፡ ቃልሶም ከሐይሉ ከምዝግባእ”ዩ ዝገልጽ።
ስምረት ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፡ ካብቲ ቐጻሊ ብዛዕባ ኲናት ዝዛረብ ዘሎ ውድብ ሕወሓት ተፈልዩ ምስቲ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ክውግን ከምዝግባእ ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ገበን ወይ ውን ኲናት ሸለል ኢልካ ምዕዛብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዕቦ ከቢድ ሓደጋ ሸለል ኢልካ ምዕዛብ’ዩ ዝበለ እቲ ውድብ፡ ሃገራውያን ከሙኡ ውን ዓለምለኻውን ትካላት፡ ዝመጽእ ዘሎ ሓደጋ ንምውጋድ ብቕልጡፍ እጃሞም ክጻወቱ” ጸዊዑ።