
ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ ብዝተፈጠሮ ዕልቕልቕ፡ ቁጽሪ ሂወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት 81 ከምዝበጽሐን፡ 41 ሰባት ውን ሃለዋቶም ከምዘይተፈለጠ ተገሊጹ።
ካብቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 81 ግዳያት እቶም 28 ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከምዝኾኑን፡ ኪር ኣብ ዝበሃል ዞባ ዝተከስተ ከምዝኮነን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሃለዋቶም ዘይተረክበ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስ ምህላዎም፡ ቍጽሪ ግዳያት ካብ ተገሊጹ ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል”ዮም ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ስጋኣቶም ዝገልጹ።
እቲ ህቦብላ ንፋስ ዝሓወሰ ሓያል ዝናብ ኣብ ዝመጽእ 48 ሰዓታት ውን ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ክቕጽል ከምዝኽእል፡ ትምበያ ኵነታት ኣየር እታ ሃገር ዝሕብር ዘሎ ኮይኑ፡ ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤት ህይወት ንምድሓን ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ፡ ኣብ ጭቃን ፍርስራስ ኣባይትን መርዛማት ኣትማን ብብዝሒ ይረኽቡ ብምህላዎም ነቲ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ይጎቶ ከምዘሎ”ዮም ዝሕብሩ።
ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ቴክሳስ ግሬግ ኣቦት ትማሊ ሰንበት ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃለዋት ናይቶም ጠፊኦም ዘለዉ ክሳብ ዝርከብ፡ ናይ ድልያ መስርሕን ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ፈጺሙ ደው ኣይብልን’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ናብቲ ከቢድ ዕንወት ዝበጽሖ ደቂ ኣንስትዮ ዝመሃራሉ ቤት ትምህርቲ በጺሑ ንዝረኣዮ ዕንወት፡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘስካሕክሕን ክብል”ዩ ሓዘኑ ገሊጹ ዝርከብ።
መዓስከር እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገምገም ፈለግ ጓዳሉፐ ዝተደኮነ ብምንባሩ፡ ናብ ሓደጋ ክቃልዓ ካምዝገበረን ዝንገር ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ መዓስከር ዘካይድዎ ዘለዉ መስርሕ ድልያን ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ኣጽዒቘም የካይዱ ወላ”ኳ እንተለዉ ዘዕግብ ፍረ ይርከቦ ከምዘየለ”ዩ ዝንገር።
ብዓርቢ ድሕሪ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ዓቀን ወሓዚ ማያት እቲ ፈለግ ኣብ ወሽጢ 45 ደቃቕይ ጥራሕ ብ8 ሜትሮ ከምዝወሰኸ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ ከኣ ካብቲ ደቂሰነኦ ዝነበራ መዓስከር ከይተስኣ እንከለዋ ከምዘርከበን”ዩ ዝግመት።